ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛኻ ምስ ዝዅሕኵሑ
ኣመንቲ ካቶሊክ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዝኦም ምስ ዝዅሕኵሕ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ በቲ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ሃይማኖት ዋዕላ ኣቡናት ኢጣልያ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተዳወ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ብሕያውነት ግናኸ ተሪርካ: ምስ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይትዛረብ ምእባይ ሕሰም ምርኣይ ኣይኰነን።”
ኣብ ፎጃ: ኢጣልያ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ ናብታ ጋዜታ ደል ሜዞጆርኖ እተባህለት ናይ ቋንቋ ጣልያን መዓልታዊት ጋዜጣ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ከም እተራእየ ግን: ምስዚ ዝሰማምዑ ኵሎም ኣመንቲ ካቶሊክ ኣይኰኑን:-
“ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰንኩን። ካቶሊክ ኢየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ከይኵሕኵሑ ዝብል ምልክታት ኣብ ማዕጾታቶም ክልጥፉ ብምንጋር: ቤተ-ክርስትያን ንኣባላታ ክትግብርዎ እትእዝዞም ዘላ ሓድሓደ ሕግታት ግን የደንጽወኒ ኢዩ። እንተዀነ: እዞም ሰባት እዚኦም ቃል ኣምላኽ ጥራይ ኢዮም ዝሰብኩ: ካልኦት ሰባት ዝዓመቘ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽህልዎም ድማ ኢዮም ዝሕግዙ። እዚ ትእዛዝ እዚ ነቲ ሓደ ግዜ ኢጣልያ ብሕማም ሸሮኽ ተጠቒዓ ኸላ ንለበዳ ብኸመይ ከም እንከላኸሎ ዝሕብር ምኽሪ እተዋሃብናሉ እዋን ኢዩ ኣዘኪሩኒ።
“ንዓይ ከም ዝመስለኒ: እዚ ጸቕጢ እዚ ቤተ-ክርስትያን ንድልየት ኣባላታ ኣብ ግምት ከየእተወት ሕግታታ ክሕሎ ተገድድ ከም ዘላ ኢዩ ዝሕብር። ቅድሚ ገለ ዓመታት ግን: ኣመንቲ ካቶሊክ ከይተረፉ: ንኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብምብጻሕ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ከለዉ ርእየ ኢየ፣ ንሳቶም ድማ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከይነጸጉ: ናብ ቤቶም ክኣትዉ ኣፍቂዶምሎምን ምስኣቶም ከኣ ተዘራሪቦምን ኢዮም።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ንመልእኽቶም ክቕበልዎ ኣይግድዱን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ኣብዚ ኣሸጋሪ ዝዀነ ግዜ መጸናንዒ ኰይኑ ዝረኸብዎ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ተስፋ ንኻልኦት ከማቕልዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ: ነቶም ኣብ መገዲ ዝረኽብዎም ድማ ብምዝራብ: ክሰምዑ ፍቓደኛታት ንዝዀኑ ሰባት እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ የማቕሉ።—ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 17:17