ናብቲ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማን” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምጹ!
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣብ ኣማእታት ቦታታት ዝግበር ኣኼባታት ክርከቡ ኢዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ 193 ዓበይቲ ኣኼባታት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ካብ 23-25 ግንቦት ክኸውን ከሎ እቲ ናይ መወዳእታ ድማ: ካብ 12-14 መስከረም ክኸውን ኢዩ። ሓደ ካብዚ ናይ ሰለስተ መዓልትታት ምትእኽኻብ—ካብ ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት—ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ ከተማ ከም ዝካየድ ፍሉጥ ኢዩ።
ካብቲ ኣኽል-ታርፍ ተግባራዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ኢኻ። ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት እቲ ፕሮግራም ሰዓት 9:30 ናይ ንግሆ ብሙዚቃ ክጅመር ኢዩ። ዓርቢ ንግሆ ምስቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምእማኖም ህይወቶም ኣጸቢቑ እተተንከፈ ሰባት ዝግበር ናይ 25 ደቒቕ ቃለ-መጠይቕ ክቐርብ ኢዩ። እቲ ንግሆ ዝቐርብ ናይ መጀመርታ መደብ “ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ” ዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ ብምቕራብ ክዛዘም ኢዩ።
ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐርብ ናይ መጀመርታ ዝርርብ: ነቲ መንእሰያት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ ከተኵረሉ ኢዩ። ቀጺሉ ዝህሉ ሰለስተ ክፍልታት ዝሓዘ ዓውደ-መጽናዕቲ ድማ ምስቲ ኣብ ኣዛዘራርባ: ቀጥዕታት: ከምኡውን ምስቲ ኣብ ኵለንትናዊ ኣቃውማ ዝርአ ክርስትያናዊ ጠባይ እተተሓሓዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ክመያየጠሉ ኢዩ። ስዒቡ ዝቐርብ ድማ ነቲ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 3 ከምኡውን 4 ዝርከብ ሰናይ ምዕዶ ዘተኵረሉ “ካብ ምጕዳል እምነት ተጠንቀቑ” ከምኡውን “ቃል ኣምላኽ ህያው ኢዩ” ዝብል ዝርርባት ኢዩ። ናይ ዓርቢ ፕሮግራም “ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ” ብዘርእስቱ ዝርርብ ክዛዘም ኢዩ።
ቀዳም ናይ ንግሆ ዝቐርብ ናይ መጀመርታ ዝርርብ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ ኢያ” ዝብል ኢዩ። ኣብቲ ንግሆ እቲ ዝህሉ ካልእ ኣገዳሲ ዝርርብ ድማ “ኣብ ሓቂ ተሰረቱን ጽንዑን” ዝብል ክኸውን ከሎ: መንፈሳዊ ዕቤት ብኸመይ ክርከብ ከም ዝከኣል ዝገልጽ ኢዩ። እቲ መደብ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማን ናብ ጥምቀት ይመርሕ” ዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎ ልሙድ ክፍሊ ናይ ዓቢ ኣኼባ ክዛዘም ኢዩ: ድሕርዚ ድማ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዝጥመቕሉ ምድላው ክህሉ ኢዩ።
ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ዝቐርብ ናይ መኽፈቲ ዝርርብ “ምእንቲ እምነት ኣበርቲዕኩም ተጋደሉ” ዝብል ክኸውን ከሎ: ነቲ ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መልእኽቲ ይሁዳ ዝርከብ ምዕዶ ኢዩ ዝዝርዝር። ሓደ ሰዓት ዝወስድ “ናብ ቤት የሆዋ ንኺድ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ድማ ነቲ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝርከብ ጥቕምታት ክዝርዝር ኢዩ። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ፕሮግራም “ጽርየት እምነትኩም—ሕጂ ይፍተን ኣሎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ብምቕራብ ክዛዘም ኢዩ።
ናይ ሰንበት ንግሆ ፕሮግራም ነታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዮኤልን ኣብ ግዜና ዘለዋ ኣወዓዕላን ዝዝርዝር ሰለስተ ክፍልታት ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ከቕርብ ኢዩ። ድሕርዚ “ዓይኒ ካብ ምግፋሕ ተጠንቀቑ” ዘርእስቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ክስዕብ ኢዩ። ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ድማ እቲ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐርብ “እምነትን መጻኢ ግዜኹምን” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ኢዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ብምክፋል ብመንፈስ ከም እትብልጽግ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደብ ንኽትርከብ ብኽብሪ ትዕደም ኣሎኻ። ኣብኡ ንምክፋል ሕጂ መደብ ግበር። ኣብቲ ዝቐርበካ ቦታ ምእንቲ ክትካፈል ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ተራኸብ ወይ ድማ ናብ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ጽሓፍ። ኣብታ ናይ 8 ሰነ ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ድማ: ኣድራሻታት ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ካናዳ: ብሪጣንያ: ከምኡውን ኣየርላንድ ዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።