ኣብ ግዜ ንእስነት ኣርዑት ምጻር
ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” መንእሰያት ከቢድ ጸቕጥታት የጓንፎም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 NW ) በቲ ንዘይስነ-ምግባራውነት: ሽጋራ ምትካኽ: ከምኡውን ንኻልእ ስዲ ጠባያት ዘተባብዕ ፕሮፓጋንዳ መዓልቲ መዓልቲ ኢዮም ዝድብደቡ። እቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መለክዒታት ዝስዕቡ መንእሰያት ምስቶም ብዙሓት ብዘይ ምሕባሮም ይናሸዉ ይዀኑ: ገለ ክርስትያናት ከኣ ኢዶም ንኽህቡ ቀሊል ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን።
ሻውዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ምውዳእ ገጹ እናኸደ ከሎ: ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።” (ድጕዓ ኤርምያስ 3:27) እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ መንእሰይ ከሎኻ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሎም ምምሃር: ነቲ ኣብ ግዜ ጽሕነት ዘጋጥም ግድላት ንኽትዋጽኣሉ ይሕግዝ ኢዩ። መከራ—ባህ ዘየብል እኳ እንተዀነ—ንክርስትያን መንእሰያት ይኹን በጽሕታት ከጋጥሞም ናይ ግድን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) እቲ ካብ ተኣማንነት ዝርከብ ረብሓታት ግን: ካብቲ ምልምማጥ ከምጽኦ ዝኽእል ግዝያዊ እፎይታ ኣዝዩ ዝበልጽ ኢዩ።
መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ናይ እምነት ፈተናታት ገጽ ንገጽ ተጋጠሞ። ኣብ ብልሹው ጠባይ ንኽትጽመድ ፈተና እንተድኣ ኣጋጢሙካ: ንኸይትለማመጥ ወስን። ከምዚ ምግባር: ንግዚኡ ዝኸብድ እኳ እንተዀነ: ንሓዋሩ ግን ሽግራት ዳርጋ ኣይክህልወካን ኢዩ። የሱስ “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ . . . ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ብምባል ተመባጺዑ ኢዩ።—ማቴዎስ 11:29, 30
ነቲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባር ዘሎ ብድሆ ተቐበሎ። ከምኡ ምግባርካ: ሕጂ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንመጻኢ ኸኣ ዘተኣማምን ተስፋ ከም እትረክብ ክገብረካ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃንስ 2:17