ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/5 ገጽ 6
  • ‘ሓቀኛታት ሰባት ኢና እንደሊ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ሓቀኛታት ሰባት ኢና እንደሊ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ተመላለስ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ኵሉ ሓቀኛ ኹን
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ሓቀኛ ምዃን ረብሓ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/5 ገጽ 6

‘ሓቀኛታት ሰባት ኢና እንደሊ’

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ሓቀኛ ምዃን ሳሕቲ ዝርከብ ነገር ኢዩ። ንክርስትያናት ግን ክህልዎም ዝግባእ መሰረታዊ ብቕዓት ኢዩ። ጳውሎስ “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኴንና:” NW ] ክንነብር እናደሌና” ብምባል ጸሓፈ። (እብራውያን 13:18) እታ ኣብ ፋየንዛ: ኢጣልያ እትርከብ ቪልማ እተባህለት ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ከምዚ ኢያ ክትገብር ዝደለየት።

ኣብቲ እትነብረሉ ከተማ: ካብ ሓደ ዓቢ ድኳን ወጻኢ: ብዙሕ ገንዘብ ዝሓዘ ማሕፉዳ ምስ ረኸበት ናብቲ ዋንኡ ምእንቲ ክምለስ “ከይተወላወለት” ናብ ፖሊስ ከም ዘረከበቶ እታ ኢል ሬስቶ ዴላ ካርሊኖ (ቋንቋ ኢጣልያ) እተባህለት ጋዜጣ ኣዘንተወት።

እቲ ከንቲባ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ: ብኡንብኡ ንቪልማ ሕጽር ዝበለ ናይ ምስጋና ደብዳበ ጸሓፈላ። “ስለቲ ዝወሰድክዮ ሰናይ ስጕምቲ ብስም እዛ ከተማ እዚኣ አመስግነኪ። እዛ ብልጽቲ ከተማና: ፋየንዛ: ሰናይ ዝገብሩን ሓቀኛታትን ሰባት ኢያ እትድሊ” ብምባል ጸሓፈላ።

ሰናይ ተግባራት ተፈላጥነት ይርከብ ኣይርከብ ብዘየገድስ: ሓቀኛታት ንምዃን ኵሉ ግዜ ክንጽዕር ኣለና። ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝምዕዶ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ኢና ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር እንጽዕር ዘሎና።”​—⁠2 ቈረንቶስ 8:21 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ