ኣብ ኣምላኽ ምእማን ተኣምራት ዘድልዮዶ ኢዩ፧
ኣልበርት ንኣምላኽ ምድላይ ክጅመር ከሎ ዕድሚኡ ኣብ መጀመርታ 20ታት ኢዩ ነይሩ። ንብዙሓት ሃይማኖታት መርመረ: ግናኸ ኣይዓገበን። ገለ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ: ኣምላኽ ምስ ከም በዓል ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ: ከምኡውን ሙሴ ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ብኸመይ ከም እተመላለሰ ተረድአ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ ንኣልበርት ማረኾ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ብሓቂ ከም ዘሎ ምርግጋጽ ክኢሉዶ ይኸውን፧
ኣልበርት ሓደ ምሸት ናብ ሓደ ጽሙው ቦታ ከደ: ኣብኡ ድማ “ኣምላኽ በጃኻ: ምልክት—ንስኻ ከም ዘሎኻ ዘረጋግጽ ዝዀነ ይኹን ነገር—ኣርእየኒ” ኢሉ ጸለየ። ኣልበርት ነዊሕ ተጸበየ። ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይተፈጸመ ምስ ረኣየ: ትጽቢቱ “ናብ ተስፋ ምቝራጽ: ናብ ናይ ባዶነት ስምዒት: ናብ ሕርቃን ተለወጠ” ብምባል ይዝክር።
ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ኣልበርት ንኣምላኽ ምድላዮም ከንቱ ከም ዝዀነ ይስምዖም። በቲ ናይ ኣቕሽሽቲ ስብከት ይደናገሩ ወይ ብሰንኪ እቶም ናይ ቴሌቪዥን ወንጌላውያን ዝነበሮም ተስፋ በኒኑ ይኸውን። ገሊኦም በቲ ካብ መብዛሕትኦም ጐረባብቶም ዝርእይዎ ግብዝና እንታይ ከም ዝኣምኑ ይደናገሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን “እንተ ደሌኻዮስ: [ኣምላኽ] ኪርከበልካ እዩ” ብምባል ኣረጋጊጽሉ ኢዩ።—1 ዜና መዋእል 28:9
እሞኸ ድኣ: ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ፧ ገለ ምልክት—ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘረጋግጸልካ ናይ ልዕለ-ባህርይ ተመክሮ—ክትጽበዶ ኣሎካ ኢዩ፧ ብመሰረት ሓደ ኣብ መጽሔት ታይም ጸብጻብ እተዋህበሉ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተኻየደ ፍቕዲ ድምጺ: ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣመሪካውያን ኣብ ተኣምራት ይኣምኑ ኢዮም። እታ ዓንቀጽ “ኣብ ኣመሪካ እተን ቅልጡፍ ዕቤት ዘርእያ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት እተን ኣምልኾአን ኣብ ‘ትእምርትን ተኣምራትን’ እተመስረተ ናይ ካሪዝማቲክ ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ማሕበራት ምዃነን” እውን ገሊጻ ኢያ።
ኣብ ኣምላኽ ምእማን ብሓቂ “ትእምርትን ተኣምራትን” ዘድልዮዶ ኢዩ፧ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ተኣምራት ይጥቀም ነይሩ ኢዩ። ንመረድኢ:- እቲ ንሰዓብቲ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ዘሳጕግ ዝነበረ ሳውል በዓል ጠርሴስ ኣብቲ ካብ የሩሳሌም ናብ ደማስቆ ዝወስድ መገዲ ሓደ ዘደንቕ ተመክሮ ኣጋጠሞ። እዚ ምስቲ ዝተንስአ የሱስ እተኻየደ ተኣምራታዊ ርክብ ንሳውል እምነቱ ከም ዝቕይር ገይርዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-22) በዚ ኸኣ ቀደም ዘሳጕግ ዝነበረ ሰብ: ሃዋርያ ጳውሎስ—ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተጣበቕቲ እምነት ክርስትና—ኰነ!
ይኹን እምበር: ተኣምራት ኵሉ ግዜ ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዝህሉ ይገብር ድዩ፧ ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ንኸርኢ ግድን ገለ ተኣምራታዊ ተመክሮ ከሕልፍ ኣለዎ ድዩ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ወዲ ኣምላኽ ንሳውል በዓል ጠርሴስ ብተኣምራታዊ መገዲ ተዛሪብዎ ኢዩ። ንስኻኸ ተኣምራት ክትጽበ ኣሎካዶ፧