ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 32
  • መን ኢዩ ዝቈጻጸር ዘሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መን ኢዩ ዝቈጻጸር ዘሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 32

መን ኢዩ ዝቈጻጸር ዘሎ፧

“ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ፧” ሓደ ሰብ ነዛ ሕቶ እዚኣ እንተ ዝሓተካ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ መብዛሕትኦም ­ሃይማኖታውያን ሰባት “ኣምላኽ” ወይ “የሱስ” ይብሉ ይዀ​ኑ። ኣብታ ዘ ፍሪፖርት ኒውስ እተባህለት ናይ ባሃማስ ጋዜጣ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ግን ሒደት ሰባት ጥራይ ዝጽበይዎ መልሲ ሃበት።

እታ ጸሓፊት ናይታ ዓንቀጽ “ኣብ ኣፍ ደገ ገዛይ ሓንቲ ትራክት ረኸብኩ” ብምባል ትጅምር። “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍ ደገይ ንዝጸንሓኒ ነገር ኣየንብቦን ኢየ: ሽዕኡ ግን ከንብባ ወሰንኩ። እቲ ኣርእስቲ ‘ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ፧’ ብምባል ይሓትት።” እዛ ሰበይቲ እዚኣ ነዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ትራክት ብምንባብ: ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣምላኽ ወይ የሱስ ከም ዘይኰኑ: ኣብ ክንድኡ ግን ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝዀነ ፈለጠት።​—⁠ዮሃንስ 12:​31፣ 14:​30፣ 16:​11፣ 1 ዮሃንስ 5:​19

እታ ትራክት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ካብ መጠን ዝሓለፈ ንሕስያ ዘይብሉ ኣራዊታዊ ጭካነ እሞ ሕሰብ ። ደቅሰብ ንሓድሕዶም ብዘይ ምሕረት ንምስቓይን ንምትሕርራድን ኢሎም ናይ ጋዝ ክፍልታት : ናይ መዳጎኒ ደምቤታት : ተወንጫፊ ሃልሃልታ : ናፓልም ቦምብን ካልእ ባርባራዊ ኣገባባትን ተጠቒሞም ኢዮም ። ንሰባት ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ዘጸይፍ ተግባራት ንኽኣትዉ ዝደፋፍኦም : ወይውን ከምዚ ዝመሰለ ግብረ ጭከና ክፍጽሙ ኣብ ዝደፋፍኡሉ ኵነታት ዘብጽሕዎም : እንታይ ሓይልታት ኮን ይህልዉ ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብረ ዓመጻ ንኽፍጽሙ ተጽዕኖ ዝገብረሎም ሓደ እኩይ ዘይርአ ሓይሊ ዶኾን ይህሉ ይኸውን ፧” መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ምጽውዑስ የገርም ድዩ፧​—⁠2 ቈረንቶስ 4:​4

እቲ ዘሐጕስ ግን: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድሕሪ ደጊም ዘይህልዉሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ። “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:​17) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ሰባት ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዝህልዎም ይመባጻዕ ኢዩ። (መዝሙር 37:​9-​11፣ 2 ጴጥሮስ 3:​13፣ ራእይ 21:​3,​4) እቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምስ ኣልገሰ ኣየ ከመይ ዝበለ ቅሳነት ኢዩ ክኸውን!

ጸሓፊት ናይታ ዘ ፍሪፖርት ኒውስ ንትሕዝቶ እታ ትራክት ጽሙቕ ኣቢላ ድሕሪ ምቕራባ “ነታ ትራክት እቲኣ ምንባበይ ብሓቂ ሕጕስቲ ኢየ . . . ምኽንያቱ ብዛዕባ ኵነታት ዓለምን መን ይቋጻጸራ ከም ዘሎን የጨንቐኒ ነይሩ ኢዩ” ብምባል ትድምድም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ