‘ሓደ ካብቶም ኣልባቦም ዝተንከፍክዮም ብዙሓት ሰባት’
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 1996 ካረል ብሰንኪ ናይ ሓንጐል ጥረ ሓሚማ ነበረት። ዕድሚኣ ኣብ 60ታት ኢዩ ነይሩ: ክሳብ ሽዑ ኸኣ ሕጕስትን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከኣ ዘተባብዕ ቃል እትዛረብ ብርትዕቲ ሰበይቲ ኢያ ነይራ። ሕጂ ግን እቶም ሓኻይም ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዝነበረ ቀዛፊ ሕማም ንምሕዋይ ይጽዕሩ ኢዮም ነይሮም። ካረል ምስቲ ሕማም እናተቓለሰት ከላ: እዛ እትስዕብ ደብዳበ ተቐበለት:-
“ዝኸበርኪ ካረል:-
“ጥዕና ብምስኣንኪ ኣዝየ ኢየ ሓዚነ። እቲ ዘሐጕስ ግን: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንፈልጦን ኣኽቢርና ክንርእዮን ዝሕግዘና ሓቀኛ ተስፋ ዘሎና ምዃኑ ኢዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኸኣ እቲ ኵላትና ሃንቀው እንብሎ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ገነታዊ ኵነታት ምእንቲ ክንነብር ኢላ ንምድሪ እትገዝኣሉ እዋን ኢዩ።
“እቲ ብብሕትኺ ዝገበርክዮ ዕዮ ስብከት ንብዙሓት ሰባት ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ከም ዘድሓኖም ክትፈልጢ እደሊ። ኣነ ሓደ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ኢየ። እታ ንመጀመርታ እተራኸብናላ ግዜ ከም እትዝክርያ ርግጸኛ ኣይኰንኩን። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 20 ዓመት ኢየ ነይረ። ጸጕረይ ነዊሕ ኢዩ ነይሩ: ሓሽሽ እሸይጥ: ብዙሕ ግዜ ኸኣ ምስ ጕጅለ ዓመጸኛታት ኢየ ዝርአ ነይረ። ኵላትና ሽጕጥ ንሕዝ ነበርና: ንገዛእ ርእስና እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ፍቕሪ ኣይነበረናን።
“ምስ ካልእ ምስክር ኴንክን ገዛይ ኳሕኳሕክን እሞ: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣበርከትክናለይ። ሓደ ዶላር ሂበ ነቲ መጺሔታት ከም ዘይደልዮ ክነግረክን ፈተንኩ። እትሰብካ ዝነበርክን ወፈያታት ንምእካብ ከም ዘይኰነ ኸኣ ኣፍለጥክናኒ። ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብቡ ንምሕጋዞም ትዓያ ከም ዝነበርክን ድማ ነገርክናኒ። ነቲ መጽሔታት ተቐቢለክን እንተዀይነ ወይ ከኣ አንብቦ ኣየንብቦ ርግጸኛ ኣይኰንኩን። ይኹን እምበር: ኣብ ህይወተይ ዘርኢ ሓቂ ተኺልክን ኢኽን።
“ድሕሪ ገለ ዓመታት: ጋሪ እተባህለ ካልእ ምስክር ኣነ ኣብኡ ከለኹ ናብቲ ኣደይ ዝነበረቶ ገዛ መጸ። ነቲ ንስኺ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝገበርክለይ ምብጻሕ ከኣ ነገርክዎ። ኣብ መወዳእታ ብ1984 ክሳዕ ዝጥመቕ: ጋሪ ንነዊሕ ግዜ ጽንዓት ገበረለይ። ኣነ ድማ ሕጂ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ንደቀይ እምህሮም ኣሎኹ።
“ኣነ ሓደ ካብቶም በቲ ንዓመታት ዝገበርክዮ እሙን ኣገልግሎትኪ ኣልባቦም ዝተንከፍክዮም ብዙሓት ሰባት ኢየ። ይኹን እምበር: በዚ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘለዎ መገዲ ገይርኪ ኣነን ስድራቤተይን ነቲ ዓቢ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ከምኡውን ወዱ ክርስቶስ የሱስ ንኽንፈልጥ ኣኽኢልክና ኢኺ። ኣብቲ የሆዋ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንትና ዝደርዘሉን ሞት ድሕሪ ደጊም ዘይህልወሉን ሓድሽ ኣገባብ ንዓኺ ዝርእየላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኢየ ዝጽበ።—ራእይ 21:4
“ኣነን ስድራቤተይን ንዓኺ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ብምርካብናን ክፍሊ ናይቲ ዕዮ ምስክርነትኪ ብምዃንናን ሕጕሳት ኢና። ነመስግነኪ።
“ሕውነታዊ ፍቕርና ይብጻሕኪ:
ፒተር”
ካረል ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሕማም ኣብቲ ን35 ዓመታት ከም ቀናእ ወንጌላዊት መጠን ዝገበረቶ ኣገልግሎት ብዙሕ ዘርኢ ናይ ሓቂ ብምዝራእ መጋቢት 1996 ሞተት። ሓደ ዘርኢ ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ: መዓስ ከም ዝፈሪ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ከም ዘየሎ ፈሊጣ ኢያ።—ማቴዎስ 13:23