ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግሪኽ ካልእ ዓወት ረኺቦም
ንኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝምልከት ሕጋዊ ጕዳይ: ብ6 ጥቅምቲ 1995 በቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ሰለስተ ኣባላት ዘለውዎ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ተሰሚዑ ነይሩ። እቲ ኽሲ ብዛዕባ ኣገዲደካ ሃይማኖት ምቕያር ነበረ: እቶም መሰኻኽር ኣብ ገዝኡ ከይዶም ድሕሪ ምብጽሖም ከኣ ኢዩ ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ናይ ጥርዓን ፋይል ዘመዝገበ።
እቲ በታ ማእከለይቲ ዳኛ ዝቐረበ ሕቶታት: ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝያ ከም እተገደሰት ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ከምዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሓተተት:- “ነዚ ዕዮ እዚ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ዓይኹሞ፧ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሰባት ብኸመይ ይርእይኹም ነይሮም፧ ንዕዮኹም እንታይ ዓይነት መልሲ ይወሃቦ ነይሩ፧ ንሰባት ኣብ ኣባይቶም እንታይ ትብልዎም፧” ኵሎም እቶም ኣብቲ መጋባእያ ዝነበሩ ሰባት ነቲ እተዋህበ ጽቡቕ ምስክርነት ጽን ኢሎም ሰምዕዎ።
እቲ ነቶም መሰኻኽር ኣዝዩ ዝገረሞም ድማ: እቲ ኣኽባር ሕጊ ንዓኣቶም ብምድጋፍ ምዝራቡ ኢዩ። ኣብ መደምደምታ ዘረባኡ ኸኣ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኾም ክኣምኑን ከምልኽዎን ጥራይ ዘይኰነስ ንእምነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት: ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያት: ከምኡውን ኣብ ጐደናታት ምዝርጋሕ እውን ኢዩ: እንተ ደልዮም እውን ጽሑፋቶም ብናጻ ክዕድሉ ቅዋማዊ መሰል ኣለዎም” በለ። እቲ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ብኣብያተ ፍርድን ቤት ምኽሪ መንግስትን እተመሓላለፈ ካብ ክሲ ናጻ ዝገብር ውሳነታት ጠቐሰ። ነቲ ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምድጋፍ ዝበየኖ ጕዳይ ኮኪናኪስ ቪ . ግሪስ እውን ጠቒስዎ ኢዩ።a እቲ ኣኽባር ሕጊ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ግሪኽ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ካሕሳ ከም ዝኸፈለት እውን በጃኹም ኣስተውዕሉ። ስለዚ ንኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ክንፈርድ እንተድኣ ተመዚዝና ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና። ብመጀመርትኡ እውን: እዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈጺሙ ክቐርብ ኣይግብኦን ኢዩ።”
እቲ ኣኽባር ሕጊ ንዅሉ እቲ ዝበሃል ስለ ዝወድኦ: ጠበቓ ናይቶም መሰኻኽር ብዙሕ ዝዛረቦ ነገር ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ እቲ ኣገዲድካ ሃይማኖት ምቕያር ዝኽልክል ሕጊ ዘይቅዋማዊ ከም ዝዀነ ንግሪኽ ድማ ብዓለምለኸ ደረጃ ሽግራት የጓንፋ ኸም ዘሎ ኣጕልሐ።
እታ ማእከለይቲ ዳኛ ነቶም ካልኦት ክልተ ዳኛታት ቍሊሕ በለቶም እሞ እቲ ሓውን እታ ሓብትን ብምሉእ ድምጺ ናጻ ተለቁ። እቲ ሓደ ሰዓትን ዓሰርተ ደቒቕን ዝወሰደ መጋባእያ: ንስም የሆዋን ህዝቡን ዓወት ኢዩ ነይሩ።
እቲ ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ንጕዳይ ኮኪናኪስ ድሕሪ ምስምዑ: ምስ ሃይማኖት ኣገዲድካ ምቕያር እተተሓሓዘ ካብ ክሲ ናጻ ናይ ምዃን ጕዳይ: እዚ መበል ራብዓይ ኢዩ። ኣብ ግሪኽ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስብከቶም ዝተኣሳሰር ሽግራት ሕጂ ዳርጋ ስለ ዘይብሎምን ነቲ ዕዮ ብዘይ ገለ ምትዕንቓጽ ምቕጻል ስለ ዝከኣልን ሕጕሳት ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-31 ርአ።