ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/1 ገጽ 32
  • ኵሉ ድዩ መለኮታዊ መልእኽትታት፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵሉ ድዩ መለኮታዊ መልእኽትታት፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/1 ገጽ 32

ኵሉ ድዩ መለኮታዊ መልእኽትታት፧

እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነፈሰ መንፈስ ኣምላኽ: ነቲ ገለ ሰባት ከም ቅዱስ ዝርእይዎም መጻሕፍቲ ብሓላፍነት ይሕተተሎም ድዩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:​16) እዛ ሕቶ እዚኣ: በታ “ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰክረታርያት ናይ [ቫቲካን] መንግስቲ” እትሕተምን ኣብ ናይ ካቶሊክ ግዝኣታት ከኣ ከም ወግዓዊት ልሳን እትርአ ናይ ኢጣልያ ጀስዊት ጆርናል እተላዕለት ኢያ።

እታ ጀስዊት ጆርናል “ኣምላኽ ብዕዮ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣብ ገለ ቅዱስ መጻሕፍቲ ናይ ኣይሁድን ክርስትያንን ዘይኰኑ እምነታት: ንዘርኢ ናይቲ ቃል ዘሪእዎ ኢዩ” በለት። ንኣባላት ጀስዊት: “ቅዱሳት” መጻሕፍቲ ከም እኒ በቲ ዝጠፍአ ቋንቋ ኣቬስታ ናይ ኢራን እተጻሕፈ ናይ ዞሮኣስተር ኣቬስታ: ወይ እቲ ናይ ኮንፍሽየስ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ: “ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ተጻሒፉ: በዚ ኸኣ: ብውሑዱ ‘መለኮታዊ መልእኽቲ’ ዝሓዙ ኢዮም” ማለት ኢዩ።

ይኹን እምበር: እታ ዓንቀጽ ነዚ መብርሂ ትህበሉ ኢያ። “ኵሉ እቲ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ማለት ኣይኰነን” ትብል: ወሲኻ ድማ: እቶም ነዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ዝጸሓፉ ሰባት በቲ ዝነብርሉን ዝገብርዎን “ጽልዋ ናይቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ኣምልኾ ብዙሓት ኣማልኽትን ፍልስፍናን ተተንኪፎም ይዀኑ ኢዮም” ትብል። ማርኮ ፖሊቲ: ንጕዳያት ቫቲካን ዝምልከት ወኪል ዜና ላ ሪፑብሊካ እተባህለት ናይ ኢጣልያ ጋዜጣ: ከም ዝበሎ እዚ መንፈስ ቅዱስ ንኻልኦት ቅዱሳት መጻሕፍቲ እውን ጽልዋ ይገብረሎም ኢዩ ዝብል መርገጽ: ንመንፈስ ናይቲ ብ1986 ብዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብርቱዕ ድፍኢት እተገብረሉ እተፈላለየ እምነት ንምትሕንፋጽ እተገብረ ናይ ኣሲሲ ናይ ጸሎት ኣኼባታት ብምቕጻል “ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ዓበይቲ ታሪኻውያን ሃይማኖታትን ዝምድናታት ይህሉ ኢዩ ኢልካ ቅድም ዘይሕሰብ ዝነበረ መገድታት ዝኸፍት ኢዩ።”

የሆዋ ናይ ዝርግርግን ምድንጋርን ኣምላኽ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 14:​33) ስለዚ መንፈስ ቅዱሱ ወይ መስለጢ ሓይሉ: ነቶም ምስቲ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማምዑ ንገለ ክፋሎም እውን ይኹን ነፊስዎም ኢዩ ኢልና ብልክዕ ክንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለየ “ሃይማኖታዊ እምነታት” ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ንምሕባር ዝግበር ምሽብሻባት ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ: ‘ሓንቲ ተስፋ: ሓደ ጐይታ: ሓንቲ እምነት: ሓንቲ ጥምቀት’ ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ኤፌሶን 4:​4, 5

እዛ ‘ሓንቲ ተስፋ’ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ኣብ ምግባር እተመርኰሰት ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እዚ ብዝሰማማዕ መገዲ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ: ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 4:​12) ንየሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ገይሩ ዘቕርቦ ካልእ “ቅዱስ መጽሓፍ” የለን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮ ጥራይ ኢና እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንድሕነት ኢሉ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ክምህረና ዝኽእል።​—⁠ዮሃንስ 17:​3፣ 1 ተሰሎንቄ 2:​13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ