ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምእንቲ ክማሃሩ ንምሕጋዞም እትኸውን ሓዳስ መሳርሒት
“እቲ ቀሊል: ቀጥታዊ: ከምኡውን ፈኲስ ኣቀራርባኣ ክንዮ እቲ ትጽቢት እተገብረሉ ፍረ ከፍሪ ኢዩ። እቲ ኣርእስትታት ዘይተሓላለኸን ባህ ብዘብል ኣገባብን ዝቐረበ ብምዃኑ: ዝዀነ ይኹን ቅኑዕን ዝመራመርን ሰብ ‘ኣምላኽ [“ብሓቂ:” NW ] ኣብ ማእከልኩም ኣሎ’ ንምባል ክለዓዓል ኢዩ።” (1 ቈረንቶስ 14:25) እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እትበሃል ሓዳስ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ክገልጻ ከሎ እተዛረቦ ኢዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብቲ ብ1996/97 እተኻየደ ናይ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ኣውራጃዊ ኣኼባታት ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ኢያ።
እዛ 32 ገጽ ዘለዋ ሕብራዊት ብሮሹር ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከውን ኢያ ተዳልያ። ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እትሽፍን ኢያ። እቲ ኣጸሓሕፋኣ ኣምላኽ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ ብሩህ ገይሩ ስለ ዝገልጽ ቀሊልን ንጹርን ኢዩ። ኣንበብቲ ንምርድኣ ሽግር ኣይክህልዎምን ኢዩ። በዛ ሓዳስ ብሮሹር ከመይ ገይርካ ኢኻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዓዪ እትኽእል፧
ነቲ ሕቶታት ተጠቐመሉ። ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ሕቶታት ኣሎ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ኣብ ዘሎ ሓጹር: መልሲ ዝርከበሉ ቍጽርታት ናይቲ ሕጡብ-ጽሑፋት ክትረክብ ኢኻ። እዚ ሕቶታት እዚ ንትምህርቲ ዝሕግዝ መእተውን መዕጸውን ድግማ ገይርካ ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ከሎኻ: ሓሳባቱ ምእንቲ ክትፈልጥ ነቲ ተማሃራይ ሕቶታት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ጌጋ ዝዀነ መልስታት ቀልጢፍካ ኣብ ክንዲ እትእርም: መጽናዕትኻ ክትቅጽል ትኽአል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ትምህርቲ: እቲ ተማሃራይ ሕጂ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ክምልስ ዝኽእል እንተድኣ ኰይኑ ንምርኣይ ናብተን ሕቶታት ክትምለስ ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ጥቕስታት ርኣዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ዝሓዘ ሓጺር ሓሳባት ብጥቕስታት ተሰንዩ ይርከብ። መብዛሕትኡ ካብቲ ጥቕስታት ተሓቢሩ ድኣምበር: ሓሳባቱ ኣብኡ ስለ ዘይተጻሕፈ: ነዚ ጥቕስታት እዚ ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ክርእዮ ነቲ ተማሃራይ ምትብብዑ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ናብርኡ ብግብሪ ከርእዮ ቅድሚ ምጅማሩ ቃል ኣምላኽ ከንብብን ከስተንትነሉን የድልዮ ኢዩ።—እያሱ 1:8
ነቲ ስእልታት ኣጕልሓዮ። እዛ ብሮሹር ኵሉ ዅሉ ልዕሊ 50 ብዝኸውን ብዙሕ ስእልታት እተዳለወት ኢያ። እዚ ንዓይኒ ዝማርኽ ጥራይ ዘይኰነስ ተወሳኺ ናይ መምሃሪ ሓገዝ ክኸውን ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ንኣብነት: እተን ናይ መወዳእታ ክልተ ትምህርትታት: (ነፍሲ ወከፈን ኣብ ተማዓዳዊ ገጻት ሓሓደ ገጽ ሒዘን ዘለዋ) “ካልኦት ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ምሕጋዝ” ከምኡውን “ንኣምላኽ ከተገልግል እትገብሮ ውሳነ” ዝብል ኣርእስትታት ኣለወን። እቲ ኣብ ክልቲኡ ገጻት ዝቐጸለ ስእልታት: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክህብ: ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ክካፈል: ህይወቱ ክውፊ: ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ክጥመቕ ከሎ ብምርኣይ ናይ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ዕቤት ዝሕብር ኢዩ። ናይቲ ተማሃራይ ቈላሕታ ናብዚ ስእልታት እዚ ከም ዝሰሓብ ብምግባር: ንኣምላኽ ንምግልጋል ክውሰድ ዘለዎ ስጕምትታት ንኽርዳእ ሓግዞ።
ሓደ ተገዳሲ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ዘየንብብ ወይ ፈጺሙ ከንብብ ዘይክእል ምስ ዝኸውንከ፧ ማሕበር ነዛ ሓዳስ ብሮሹር ብብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ካሴት ክትርከብ ከም እትከኣል ትገብር ኣላ። እቲ ካሴት ነቲ ኣብዛ ብሮሹር ዝርከብ ጽሑፍ ከምኡውን ዝበዝሐ ካብቲ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታት ዝሓዘ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ኰይኑ ኢዩ ተመሊኡ ዘሎ:- እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ትንበብ: ንዓኣ እትምልስ ቍጽሪ (ወይ ቍጽርታት) ምስ ገለ ካብቲ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታት ኰይና ድማ ትስዕብ። ድሕርዚ ቀጺላ ዘላ ሕቶ ትንበብ ናታ መልሲ ዝሓዘ ጽሑፍን ጥቕስታትን ድማ ይስዕብ: ከምዚ እናበለ ኸኣ ይቕጽል። እቲ ተማሃራይ ንጽንዓት ክዳሎ ኸሎ ነቲ ካሴት ክሰምዖ ይኽእል ኢዩ። እቲ ካሴት ጽንዓት ክግበር ከሎ እውን ክስማዕ ይከኣል ኢዩ።
እቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝነበሩ ኣሕዋት ነዛ ሓዳስ ብሮሹር ኣብ ግራት ኣገልግሎቶም ክጥቀሙላ ተሃንጥዮም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ክልተ ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ነዛ ብሮሹር ምስ ተቐበልዋ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ተመላሊስካ ምብጻሕ ይገብርሎም ንዝነበሩ መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ኣበርከቱሎም። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ናይ ትሕዝቶ ኣርእስትታት ክርእዩ ከለዉ: “ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት” ዝብል ትምህርቲ ቈላሕታኦም ሰሓበ። እታ ሰበይቲ “ኵሉ ግዜ ኣምላኽ ፈጺሙ ክጸልእ ኣይክእልን ኢዩ—ኵልትንኡ ፍቕሪ ኢዩ ዝብል ኢየ ዝማሃር ነይረ። መጀመርታ ዘንብባ ድማ እዚኣ ኢያ” በለት። እቶም ክልተ ፓይነራት ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ምስ ተመልሱ: እታ መንእሰይ ሰበይቲ “ነዛ ሓዳስ ብሮሹር አንብባ ነበርኩ። ኵሉ እቲ ክንገብሮ ዘሎና ነገር ምግባር ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ብሕጊ ስለ ዘይተመርዓና የሆዋ ብኣና ኣይሕጐስን ኢዩ። እንተዀነ ግን ውሳነ ገይርና ኣሎና። ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ብሕጊ ክንምርዖ ምድላዋት ገይርና ኣሎና” በለት። ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ፓይነራት ሕቝፍ ኣቢሎም “ስርዓታዊ ጽንዓት ብዘይ ምግባርና ይቕሬታ ንሓትት: ይኹን እምበር ሕጋዊ መርዓ ክንገብር ምውሳንና ዓቢ ዕረፍቲ ኣምጺኡልና ኢዩ” ብምባል ወሲኾም ተዛረቡ።
ብዝከኣለካ መጠን: ነዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ሓዳስ ብሮሹር ተጠቐመላ። ካልኦት ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክማሃሩ ንምሕጋዝ ጽብቕቲ መሳርሒት ኢያ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]
ነዛ ሓዳስ ብሮሹር ብኸመይ ክትጥቀመላ ኢኻ፧