ንውግእ ዝሕተተሉ መን ኢዩ፧
ብደቅሰብ ንእተኻየዱ ውግኣት ኣምላኽ ድዩ ዝሕተተሎም፧ “ኣይኰነን: ኣምላኽ ውግእ ኣይደልን ኢዩ።” እዚ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ፍሉጥ ጀርመናዊ ናይ ፕሮተስታንት ቀሺ ማርቲን ኒሞለር ነዚ ሕቶ እዚ ብሓጺሩ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። ርእይቶታቱ ብ1946 ኣብታ ኣክ ጎት ፎም ሂመል ዚ ዳራይ—ዜክስ ፕሪዲግተን [ቋንቋ ጀርመን] እትበሃል መጽሓፍ ተሓቲሙ ነበረ።a እታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:-
“እቲ ንኣምላኽ ብውግእ ተሓታቲ ዝገብሮ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ኣይፈልጦን ወይ ክፈልጦ ኣይደልን ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ንሕና ክርስትያናት ብዛዕባ ተደጋጋሚ ውግኣት ብሰፊሑ ተሓተቲ ዲና ወይስ ኣይኰናን: ካልእ ሕቶ ኢዩ። ካብዚ ሕቶ እዚ እውን ብቐሊሉ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። . . . ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእላት: ኣብያተ ክርስትያን ንውግእ: ንሰራዊት: ከምኡውን ንኣጽዋር ኣብ ምብራኽ ብተደጋጋሚ ፍቓደኛታት ምዃነን ኣብ ውግእ ድማ ንጥፍኣት ጸላእተን ክርስትያናዊ ብዘይኰነ መገዲ ምጽላየን ጽቡቕ ገይርካ ክዝከር ዝከኣል እውን ኢዩ። ኵሉ እዚ ናትናን ናይ ኣባሓጎታትናን ጌጋ ኢዩ: ኣምላኽ ግን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ተሓታቲ ኣይኰነን። ንሕና ናይዚ ግዜ እዚ ክርስትያናት ድማ: ኣብ ቅድሚ እቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባዮም ከምኡውን ሰብ ኣይንቐትልን ብምባሎም ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናብ መዳጐኒ ደምበታት እተወስዱን ዝሞቱን መናፍቓን ተባሂሎም ዝጽውዑ ቀናኣት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ንሓፍር ኢና።”
ሎሚ: ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ 50 ዓመታት ቃላት ኒሞለር: ናይ ኣእምሮ ሰላም ንዘፍቅሩ ሰባት ጥንቁቕ ምሕሳብ ዘድልዮ መልእኽቲ ኢየን ዘመሓላልፋ። በቲ ኣህዛብ ዝገብርዎ ምፍሳስ ደም ኣምላኽ ተሓታቲ ኣይኰነን! ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ በቶም ኣብ ናይ ዓለም ግርጭታት ዘይካፈሉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኣቢሉ ነቲ ቀልጢፉ ዝመጽእ መወዳእታ ናይ ኵሉ ውግእ ይእውጆ ኣሎ።—መዝሙር 46:9፣ ዮሃንስ 17:16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ማርቲን ኒሞለር ስብከት: ዳሕራይ ኣብታ ኦቭ ጊዩልት ኤንድ ሆፕ እትበሃል መጽሓፍ ብእንግሊዝኛ ተሓቲሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ካብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ቋንቋ ጀርመን ጽሑፍ ፍልይ ዝበለ ስለ ዝዀነ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐጥታ ካብ ቋንቋ ጀርመን ኢያ ተተርጒማ ዘላ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
USAF photo