ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/12 ገጽ 20-21
  • “እሞ ቤተ-ክርስትያንኩም ድኣ ኣበይ ኢዩ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እሞ ቤተ-ክርስትያንኩም ድኣ ኣበይ ኢዩ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/12 ገጽ 20-21

“እሞ ቤተ⁠-ክርስትያንኩም ድኣ ኣበይ ኢዩ፧”

ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ የጋጥሞም ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ መልሲ ክዋሃበሉ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሕቶ ኢዩ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ 1991 ሕጋዊ ኣፍልጦ ስለ ዘይነበሮም ኢዩ። ስለዚ: ብቃልዕ ዝፍለጥን ቀዋምን ናይ ኣምልኾ ቦታታት ክህልዎም ዘይክኣል ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: 19 ለካቲት 1994 እቲ ኵነታት ተለወጠ። እተን ኣብታ ሃሩር: ጸሓይ ዝወዓለላ መዓልቲ: ኣብ ሞዛምቢክ ንመጀመርታ ግዜ እተሃንጻ ክልተ ኣደራሻት መንግስቲ ተወፈያ። ኣብታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሞዛምቢክ ዳርጋ ኣብ ማእከላይ ርሕቀት እትርከብ ወደባዊት ከተማ ቢየራ ዘለዋ ጽቡቓት መኣከቢ ቦታታት: ንየሆዋ ክውፈያ ከለዋ ብድምር 602 ሰባት ተረኺቦም ነበሩ። ንድሌት ናይተን ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሰለስተ ጉባኤታት ከገልግላ ኢየን።

ብምሉኡ እቲ ፕሮጀክት: መሰረት ካብ ምንባር ኣትሒዙ ክሳዕ ምዝዛም ናይቲ ህንጻ: ዓመትን ክልተ ኣዋርሕን ዝወሰደ ብርቱዕ ስራሕ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ 30 ወይ ልዕሊኡ ዝዀኑ ወለንተኛታት ካብ ጐረቤት ሃገር ዚምባብዌ መጺኦም ምስቶም ደቂ ዓዲ መሰኻኽር ብሓባር ሰሪሖም ኢዮም። እቲ ከም መዋፈሪ ስራሕ ኰይኑ ዘገልገለ ኣብ ቢየራ ዝርከብ ገዛ ሚስዮናውያን ንዅሎም ክሕዞም ስለ ዘይከኣለ: ቀዳመ⁠-ሰናብቲ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኣብቲ ጥቓ እቲ ገዛ ሚስዮናውያን ቴንዳ ተኺሎም ተቐመጡ።

እቲ ናይ ጉባኤ ማሳምባን ማናቫን ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከበሉ ቦታ ኣብቲ ናይ ቢየራ ቀንዲ መገዲ ኢዩ። ሓደ ሚስዮናዊ “ብዙሕ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ: ዕዮ ስሉጥ እቲ ዕቤት ድማ ርኡይ ኣብ ዝዀነሉ መዓልቲ: መራሕቲ ማካይን በቲ ጥቃ ኣደራሽ መንግስቲ ክሓልፉ ከለዉ መገዶም ኣብ ክንዲ ዝርእዩ ነቲ ኣደራሽ ክርእዩ ክብሉ ናይ ትራፊክ ሓደጋታት ከጋጥሞም ተዓዚብና ኢና” በለ። ብዙሓት ድማ ነቲ ስራሕ ክርእዩ ደው ይብሉ: ብፍላይ ከኣ እተፈላለየ ዝዓሌቶም ሰባት ሓቢሮም ክዓዩ ምስ ረኣዩ ይምሰጡ ነበሩ።

እቲ ስራሕ ብዙሕ ውጥንን ምምሕዳርን ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብዚ ሃገር እዚ ዝግበር ካልእ ብዙሕ ፕሮጀክትታት ዘጋጥሞ ሕጽረት መሳርሒታት ዘይኰነስ: ናይቲ ኣደራሽ መንግስቲ ስራሕ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብ ፈጺሙ ደው ኣይበለን። ሓደ እዋን: 800 ኣኽያሽ ሲሚንቶ ተደልየ: እቲ ነዚ ክቕርብ ዝኽእል እንኮ ትካል ድማ ነቲ ሲሚንቶ መትሓዚ ዝኸውን እኹል ኣኽያሽ ኣይነበሮን። እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣብ ርእሲ ከተማ: ማፑቶ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሓበርዎ፣ ኣኽያሽ ብነፋሪት ተላእከ: ናብቲ ፋብሪካ ተወሲዱ ድማ ተመልአ። እቲ ስራሕ ብዘይ ምቍራጽ ቀጸለ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: እቲ ናይ ናሕሲ ኣግማል ክገጣጠም ከሎ: እቶም ጕጅለ ካብ ኣቻዮ እተሰርሐ ነዋሕቲ ሓጻውን ጐደሎም። ክቱር ሕጽረት ስለ ዝነበረ ድማ ነቲ ፕሮጀክት ዝኸውን ኣቻዮ 600 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ካብ ዘለዎ ቦታ ይመጽእ ነበረ! ሓደ ካብቶም ጕጅለ ንሓደ ዝዕዘብ ዝነበረ ሰብኣይ ቅርብ ኢሉ: ነቲ ስራሕ ምእንቲ ክውድእዎ ኣቻዮ ኣበይ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ዝፈልጥ እንተድኣ ኰይኑ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ “ኣብዚ ቦታ እዚ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ደው ኢለ ኢየ ጸኒሐ: እዚ ድማ ብወዝቢ ኣይኰነን። ነቲ እትሰርሕዎ ዘለኹም ስራሕን መንፈስ ናይዚ ፕሮጀክትን ካብ ምድናቕ ሓሊፈ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን። እቲ እትደልይዎ ዓይነት ኣቻዮ ኣሎኒ: ብመልክዕ ህያብ ክህበኩም ድማ ደስ ኢዩ ዝብለኒ” ኢሉ መለሰ። ብሓቂ ኸኣ ኣብቲ እዋኑ እተረኽበ ምድላው ኰነ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ እታ ነዚ ፕሮጀክት እዚ እተስርሖ ዘላ ናይ ህንጻ ትካል ክሳዕ ክንደይ ዓባይ ምዃና ይገርሞም ነበረ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ጕጅለ ኣገልግሎቶም ብወለንታ ዝህቡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ክነግሮም ኣዝዩ ኢዩ ዝሕጐስ ነይሩ። ነቶም ተዓዘብቲ ዝያዳ ዝመሰጦም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሓደ ሰብ “ንስኻትኩም ሓድነት ዘሎኩም ህዝቢ ኢኹም። ካብ እተፈላለየ ዓሌታት ዝመጻእኩም እኳ እንተ ዀንኩም: ከም ኣሕዋት ሓቢርኩም ትዓዩ” በለ። ናይዚ ፍረ ድማ: ብዙሓት ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ሓተቱ። ኣብቲ ኣኼባታት እውን ጽልዋ ነይርዎ ኢዩ። ንኣብነት: ገምጋም ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጉባኤ ማነ ዝነበሩ ተኣከብቲ: ልዕሊ ዕጽፊ ናይቶም መሰኻኽር ኢዩ።

እቲ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መሰኻኽር ዓቢ በረኸት ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። መብዛሕትኦም ብሳዕሪ ወይ ብሒደት ዚንጎ እተሰርሐ ናሕሲ ዘለዎ: ብድሕሪ ቤት ኣብ ዘሎ ቦታ: ወይ ኣብ ናይ ብሕቲ ጸባብ ክፍሊ: ዝኣመሰለ ዘይምቹእ ቦታታት ኢዮም ዝእከቡ ነይሮም። ማይ ክዘንም ከሎ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ይጥልቅዩ ኢዮም ነይሮም፣ ጌና ግን ኣብቲ ኣኼባታት ብተኣማንነት ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ሞዛምቢክ ዘለዉ መሰኻኽር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፈልጥዎ “ኣደራሻት መንግስቲ” እዚ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጉባኤ ማሳምባ ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ኪታኑ ጋብርኤል “እዚ ፕሮጀክት እዚ ምእንቲ ክውዳእ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ነመስግኖም ኢና” በለ። ሓደ መንእሰይ ከኣ “ኣብ ካሪኮ ከሎና: (ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ን12 ዓመታት ዝኸውን ተዳጒኖምሉ ዝነበሩ “ናይ ዳግመ⁠-ትምህቲ ደምበታት”) ‘እሙናት ኴንና እንተድኣ ቀጺልና: የሆዋ ዓስቢ ክህበና ኢዩ’ ንብል ነበርና። እዚ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ካብ የሆዋ እተረኽበ ዓስቢ ኢዩ” በለ። ቃላቶም: ዓሚቝ ምስጋንኦምን ንየሆዋ ንምውዳስ ዘለዎም ቈራጽነትን ዝገልጽ ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ህንጻ ስራሕ እተሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ናይ ፓይነር መንፈስ ሓዲርዎም ኢዩ: ድሕርዚ ቀጺሎም ድማ ነቲ ስርዓታዊ ኣገልግሎት ፓይነር ተተሓሓዝዎ። ኣብ ጉባኤ ማንጋ ፓይነር ዝዀነት መንእሰይ ኢዛቤል: ኣብታ ቅድሚ ወፈያ ዝነበረት መዓልቲ: ነቲ ፈጺሙ ርስሓት ዘይብሉ ጽሩይ ኣደራሽ መንግስቲ እናረኣየት “ንዓይ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ከተማ ቢየራ ካብ ዘሎ ቦታታት እቲ ኣዝዩ ውቁብ ቦታ ኢዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብምህላወይ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓኒ” በለት። ኣዶን ኮስታ እተባህለ ሚስዮናዊ: እቶም ናይቲ ከባቢ ሰበ⁠-ስልጣናት ንቕንዕና እቶም መሰኻኽር ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ፍሉይ ናይ ኣቕሑ ምምጻእ ኣገባብ ብምፍቃድ ኣዝዮም ይተሓባበሩ ምንባሮም ገለጸ። ቀጺሉ ድማ “ኣዚና እኳ እንተ ደኸምና: ፍረ ናይቲ ንኽብርን ግርማን የሆዋ ኢልካ እተገብረ ኵሉ ዕዮ ምርኣይና ተሓጒስና ኢና” በለ።

ሕጂ: ምቕሉል ተቐማጣይ ከተማ ቢየራ ዝዀነ ሰብ “እሞ ቤተ⁠-ክርስትያንኩም ድኣ ኣበይ ኢዩ፧” ኢሉ ምስ ዝሓትት: እቶም መሰኻኽር ካብቲ ክልተ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ናብ ሓዲኡ ኢዮም ዝሕብርዎ: ከምዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሮም ድማ ይምልስሎም:⁠- “ኣብቲ ኢንተርናሽናል ሮድ: ኣቬንዳ ኣኮርዶ ደ ሉሳካ: ፊት ንፊት ራብዓይ መደበር ፖሊስ ኢዩ።” ድሕርዚ: “ቤተ⁠-ክርስትያን ግን ኣይኰነን። ኣደራሽ መንግስቲ ኢዩ” ብምባል ሓንቲ መኣረምታ ይውስኹ።

[ካርታ/ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣፍሪቃ

ሞዛምቢክ

ቢየራ

ማፑቶ

[ምንጪ ስእሊ]

ካርታ:⁠- Mountain High Maps® Copyright © 1995 Digital Wisdom, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ