ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/11 ገጽ 27
  • “ካብ የሆዋ ዝመጸ ዘደንቕ ውህበት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ካብ የሆዋ ዝመጸ ዘደንቕ ውህበት”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣረኣእያ ቀይርክምዎ ኢኹም”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/11 ገጽ 27

“ካብ የሆዋ ዝመጸ ዘደንቕ ውህበት”

እታ ናይ 1 ግንቦት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ: ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነትን ኣብቲ ንየሆዋን “ቄሳር”ን ዘሎና ሓላፍነት ድማ ብኸመይ ሚዛናዊ ከም እንገብሮን ዕምቈት ዘለዎ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። (ማቴዎስ 22:21) እዚ ሓድሽ ሓበሬታ እዚ ብምድላዉ ካብ ብዙሓት ሰባት ናይ ሞሳ መግለጺታት ተሰሚዑ ኢዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ብሓደ ኣብ ግሪኽ ዝነብር ምስክር ናብ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተጻሕፈ እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ኢዩ:-

“ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ሓልዮት ስለ ዝገበርኩምልና ንዅሉኹም ፍቑራት ኣሕዋት ዓሚቝ ምስጋናይ ክገልጸልኩም እፈቱ። ብምኽንያት ክርስትያናዊ እምነተይ ንገለ ትሽዓተ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበርኩ: ነቲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ዘገርም ሓሳባት ብሓቂ ኢየ ዘማስወሉ። (ኢሳይያስ 2:⁠4) እዚ ካብ የሆዋ ዝመጸ ዘደንቕ ውህበት ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:​17

“ነዚ ዓንቀጻት እዚ ከስተማቕሮ ከሎኹ: ኣብ ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ ግምቢ ዘብዐኛ (1 ነሓሰ 1994) ‘[ምኽንያታዊ ምዃን] እምበኣር: ብዝያዳ ንየሆዋ ከነፍቅሮ ዝድርኸና ክቡር ባህሪ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ’ ዝብል ሓሳባት ዘከርኩ። እወ: ኣሕዋት: ኣነ ክፍሊ ናይታ ብንጹር መገዲ ንጥበቡ እተንጸባርቕ ዘላ ሕያወይትን ፈቃርን ማሕበሩ ብምዃነይ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።​—ያእቆብ 3:​17

“እቲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኡ ዘሎ ዝነጸረ ብርሃን በቶም ኣብዚ ኣብ ግሪኽ ዘለዉ ኣሕዋት ብፍላይ ከኣ በቶም ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ወይ ከኣ ጌና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። እንደገና አመስግነኩም። ኣብዚ ህውከት ዝመልኦ ግዜያት ብቐጻሊ ነቲ ጠቓሚ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ከተዳልዉልና የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ የደልድልኩም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ