‘ኵላትና ካብ ሓደ ስድራቤት ዝመጻእና ኢና’
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሃያማኖታዊ ኣቐዲምካ ብምሕማቕ ምርኣይን ዓሌታውነትን ኣብ ከባቢ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ። ዓሌታዊ ፍልልያት ቕትለትን ስቓይን ከምኡውን ካልእ ዘሕፍር ናይ ጭከና ተግባራትን ኣለዓዒሉ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ንመሰል ወድ ሰብ ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል ዝበሎ: ብ1994 ምግሃስ መሰል ወድሰብ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ልዕሊ 23 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ከም ዝሃድሙ ገይርዎም ኢዩ።
ኣብ ሩዋንዳ ጥራይ: ኣብ መንጎ ቱትሲን ሁቱን ዓመጽ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ንደሓር: ገለ 500, 000 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 2, 000, 000 ዝዀኑ ካልኦት ከኣ ስደተኛታት ኰይኖም ኢዮም። ለ ስዋር እተባህለ ናይ በልጅዩም ጋዜጣ “ብፍላይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር ምሓዝ ስለ ዝኣበዩ መስጐጕቲ በጺሕዎም ኢዩ” ዝብል ጸብጻብ ሃበ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር ተዓጢቖም ኣይዋግኡን ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣማእታት ካባታቶም ኣብቲ ዓመጽ ተቐቲሎም ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ዝበሎም የዘኻኽረና።—ዮሃንስ 15:19
ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራቤት—ኡዣን ንታብናና: ሰበይቱ: ከምኡውን ክልተ ደቁ—ኣብ ኪጋሊ: ኣብታ ርእሲ ከተማ ኢዮም ዝነብሩ። ኡዣን: ንጐረባብቱ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነት ክገልጸሎም ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቡጋንቪልያ እተባህለ ኣብ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ዝጥጥዕ ሓረግ ይዛረብ ነበረ።—ማቴዎስ 22:21
ኡዣን “ኣብዚ ኣብ ኪጋሊ: ቡገንቪልያ: ቀይሕ: ሊላ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጻዕዳ ዕንባባታት ኢዩ ዘውጽእ። ይኹን እምበር ኵላቶም መበቈሎም ሓደ ኢዩ። ደቅሰብ እውን ከምኡ ኢዮም። ሽሕ’ኳ እተፈላለዩ ዓሌት: ሕብሪ ቈርበት: ወይ ቀቢላዊ መበቈል እንተሎና: ኵላትና ካብ ሓደ ስድራቤት ማለት ናይ ደቅሰብ ስድራቤት ዝመጻእና ኢና” ብምባል ይገልጽ ነበረ።
እቲ ዘሕዝን ግን: ስድራቤት ንታብናና ሽሕ’ኳ ሰላማዊ ባህርያትን ገለልተኛ ኣቕዋምን እንተ ነበሮም: ጽምኢ ደም ብዘለዎም መዕገርገርቲ ሰባት ተቐቲሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ብተኣማንነት ኢዮም ሞይቶም። የሆዋ ኣምላኽ: ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መብጽዓኡ ክፍጽመሎም ምዃኑ: ኣብታ ኣቐዲምካ ብምሕማቕ ምርኣይ ፈጺሙ ዘይህልወላ ዓለም ክወርሱ ድማ ካብ ምዉታት ክትንስኡ ምዃኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ድሕርዚ: ስድራቤት ንታብናናን ካልኦትን: ‘ብብዝሒ ሰላም ደስ ኪብሎም ኢዩ።’—መዝሙር 37:11