ልቢ ዝትንክፍ መጽሔት
ኣንበብቲ ሓበሬታ ንምርካብን ንምዝንጋዕን ዘለዎም ጽምኢ ንምርዋይ: ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ዘይብሎም መጽሔታት ይሕተሙ ኢዮም።
ነዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ መጽሔት ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተቐበሎ ደብዳበ እዚ ዝስዕብ መልሲ ክህበካ ይኽእል ኢዩ
“ፍቑራት ኣሕዋት: በቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ጻዕርን ዕዮን ኣዝየ አመስግነኩም። ኣነን ክልተ ደቀይን ካብ ኣኼባ ምስ ተመለስና: 9:30 ድ.ቐ. እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ [ኣውድዮ ካሴት] ክሰምዕ መደብኩ። ብያትታት እናሓጸብኩ ከሎኹ ድማ: ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ (1 ሚያዝያ 1995) ክሰምዕ ጀመርኩ። እንደገና ክሰምዖ ከም ዘሎኒ ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ እሞ: ነቲ ናይ ክሽነ ዕዮ ኣቋሪጸ ነቲ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ዓንቀጽ [“ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ክቡር ኢኻ!”] ነታ ቴፕ እናተኸታተልኩ ኣንበብክዎ ብፍላይ ቍጽሪ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ንልበይ ተንከፋኦ። ድሕሪኡ ኣዒንተይ ንነዊሕ ደኣ ኣይኰነን እምበር ንብዓት ዘረር ክብላ ጀመራ። ብህይወት ምንባረይን ምስ ህዝቡ ምቝጻረይን ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይነ ስሙ ከፍልጥ ምኽኣለይን ከኣ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ። ዘይረብሕ ኰይነ ክስምዓኒ ምንም ምኽንያት የብለይን። መንፈስ የሆዋ ምስ ህዝቡ ኢዩ ዘሎ። ኵልና ከም ሓደ ኣካል ኴንና እንጽመምን ኣብ እምነትና ኸኣ እንጸንዕን ይግበረና። ምስ ምዉቕ ክርስትያናዊ ፍቕሪ: ናይ እምነት ሓብትኹም።”
ግምቢ ዘብዐኛ ካብ ሓበሬታ ንላዕሊ ይህበና ኢዩ: ንልቢ ኣንበብቱ ይትንክፍ: ነቲ ንመንፈሳዊ መግብን እዋናዊ ምትብባዕን ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ ኸኣ የዕግብ። እወ: ግምቢ ዘብዐኛ በብግዜኡ [ዝዳሎ] መግቢ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:45