ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ
አብቲ ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: ዝርከብ ሃጸያዊ ናይ ውግእ ቤተ-መዘክር ሓንቲ ፍልይቲ ሰዓትን ኤሌክትሮኒካዊት ናይ ኣሃዝ ቈጻሪትን ኣለዋ። እታ ሰዓት ክትዘውር ከላ: እታ ቈጻሪት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3.31 ካልኢታት ቃዕ ዝብል ደሃይ ተስምዕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቃዕታ ድማ: ናብቲ ድምር ካልእ ቍጽሪ ይውሰኽ። ነፍሲ ወከፍ ቃዕታ: ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ: ነቲ ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ብምኽንያት ውግእ ዝሞተ ሰብኣይ: ሰበይቲ: ወይ ቈልዓ ዘመልክት ኢዩ።
እታ ቈጻሪት ጸብጻባ ክትምዝግብ ዝጀመረት ኣብ ሰነ 1989 ክኸውን ከሎ: ምቝጻራ እትውድእ ድማ ኣብ ድሮ 2,000 ዓመት ፍርቂ ለይቲ ከም ዝኸውን ኢዩ ትጽቢት ዝግበረላ። ሽዑ ኣብታ ቈጻሪት እተመዝገበ ኣሃዝ ሚእቲ ሚልዮን ክኸውን ኢዩ: እዚ ኸኣ ናይቲ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና ብምኽንያት እቲ ምስ ውግእ እተተሓሓዘ ሳዕቤናት ዝሞቱ ግምታዊ ቍጽሪ ምዃኑ ኢዩ።
ዳርጋ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: የሱስ ክርስቶስ ‘ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ብምልዓል’ ዝፍለጥ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ክፍለ-ዘበንና እተገብረ ኣዕናዊ ውግኣት: ምስቲ ብዙሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ካልእ ፍጻመታት ተኣኻኺቡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት:” ማለት ካብቲ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ሰማያት ከም ንጉስ ኰይኑ ካብ እተሾመሉ ዓመት ንነጀው ኣብ ዘሎ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጽ መርትዖ ዝህብ ምዃኑ: ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ክሰብኩ ጸኒሖም ኢዮም: ጌናውን ይሰብኩ ኣለዉ።—ሉቃስ 21:10, 11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1
ግምቢ ዘብዐኛ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መሰረታዊ ምንጪ ገይሩ ብምጥቃም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንጨቈንቲ ከተጥፍኦም: ንምድሪ ድማ ናብ ገነት ክትልውጣ ምዃና ይእውጅ ኣሎ። ብዛዕባ መጻኢ ውግእከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት [ውግእ] ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:8, 9
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ዓባይ ሰዓት:- By Courtesy of the Imperial War Museum