ናይ ማይ ኣይሂ ኣፈ-ታሪኽ ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ
እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ምዕልቅላቕ ማይ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ናይቲ ጸብጻብ ክፍልታት: ኣብቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ታሪኽ ናይቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት እተፈላለዩ ስልጣነታት ይርከብ ኢዩ። ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጫድ ዝርከብ: ናይ ሙሳየ ዓሌት ንማይ አይሂ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:-
‘ሓደ እዋን ኣብ ርሑቕ ቦታ ሓንቲ ስድራቤት ትነብር ነበረት። ሓደ መዓልቲ እታ ናይዚ ስድራቤት እዚ ኣደ: ንስድራቤታ ጥዑም መግቢ ክትቅርበሎም ደለየት። ስለዚ ድማ ነቲ እኽሊ ወቒጣ ናብ ሓሩጭ ንኽትልውጦ መጉእ ምስ ወዲንኢ ቀረበት። ኣብቲ እዋን እቲ ሰማይ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ: ኣዝዩ ትሕት ዝበለ ኢዩ ነይሩ። አረ: ብኢድካ ከተርክቦ እንተድኣ ፈቲንካስ: ክትንክፎ ምኸኣልካ። ነቲ እኽሊ ድማ ብዘለዋ ኵሉ ሓይላ ትጐድኦ ነበረት: እቲ ትጐድኦ ዝነበረት እኽሊ ድማ ቀልጢፉ ናብ ሓርጭ ተለወጠ። እንተዀነ ግን: ክትጐድእ ከላ እታ ሰበይቲ ብሸለልትነት ነቲ ወዲንኢ ንላዕሊ ኣዝያ ሓፍ ኣበለቶ: ኣብ ሰማይ ድማ ነዃል ገበረ! ብኡንብኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ናብ ምድሪ ክፈስስ ጀመረ። እዚ ተራ ማይ ኣይነበረን። ምልእቲ ምድሪ ብማይ ክሳዕ እትሽፈን ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ወቕዐ። እቲ ማይ ክወቅዕ ከሎ ድማ ሰማይ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ—ከተርክቦ ዘይትኽእል ነዊሕ—ክሳዕ ዝኸውን ንላዕሊ ገጹ ደየበ። ንወዲ ሰብ ዘጽንት ከመይ ዝበለ መዓት ኰን ኢዩ! ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው እቲ ንሰማይ ብኢድና ንምትንካፍ ዝነበረና መሰል ኣጥፋእና።’
ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ዝዛረብ ናይ ጥንቲ ጸብጻባት ኣብ መላእ ዓለም ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ናይቶም ናይ ኣመሪካ ተወለድቲ ምዕባለታትን ናይ ኣውስትራልያ ኣቦርጂንስን ኵሎም ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝገልጽ ዛንታታት ኣለዎም። እቲ ዝርዝራት ይፈላለ ይኸውን: ዝበዝሕ ግን ምድሪ ብማይ ከም እተሸፈነት: ውሑዳት ሰባት ከኣ ሰብ ብዝሰርሓ መርከብ ከም ዝደሓኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ሒዙ ይርከብ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ እተስፋሕፍሐ ቀንዲ ኣርእስቲ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ: ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ተወሳኺ ደገፍ ዝህብ ኢዩ።—ዘፍጥረት 7:11-20