ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/9 ገጽ 32
  • “ኣይትስጐጕዎም!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣይትስጐጕዎም!”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/9 ገጽ 32

“ኣይትስጐጕዎም!”

“ሓደ ወይ እውን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ገዛኹም ደወል ምስ ዝድውሉ ኣይትስጐጕዎም!” ብምባል እቲ ኮርየረ ዴላ ሴራ (ቋንቋ ጣልያን) እተባህለ ጋዜጣ ይምዕድ። እቲ ጋዜጣ ነቲ ኣብ ትረቪዞ: ሰሜናዊ ኢጣልያ: ዘጋጠመ: ማለት ሓደ ነጋዳይ ነቶም ክበጽሕዎ ዝመጹ ክልተ መሰኻኽር ስለ ዝሰጐጎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሊረ (ልዕሊ 600 ናይ ኣሜሪካ ዶላር) ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ምጥፋእ በጺሑ ዝነበረ ፍጻመ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ።

እቲ ጋዜጣ ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት: ክልተ መሰኻኽር ንገዛእ ርእሶም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ምስቲ ሰብኣይ ኣፋለጥዋ:- “ሎሚ ንዓኻ ሰናይ መዓልቲ ኢዩ። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና: እንህበካ ክቡር ነገር ድማ ሒዝና ኣሎና።” ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ዘይምቕሉል ሰብኣይ ዘረባኦም ከይወድኡ ከለዉ ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ።

እቲ ሰብኣይ ሰሚዑዎም ነይሩ እንተዝኸውን: እቶም መሰኻኽር ነታ ኣብ ናይ መናፈሻ ኮፍ መበሊ ዝረኸብዋ ናይ ጁባ ቦርሳ ክመልስሉ ኢሎም ንገዝኡ ከም ዝመጹ ምተረድአ ነይሩ። እቶም መሰኻኽር ነታ ቦርሳ ምስቲ ሒዛቶ ዝነበረት ንብረት ናብቲ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ምውሳድ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ንጽባሒቱ ድማ ፖሊስ ናብቲ ሕጋዊ ዋንኣ መለሱዋ።

እቲ ኢል ጋዜቲኖ ዲ ትረቪዞ (ቋንቋ ጥልያን) “ሓደ ካልእ ሰብ ኣብ ቦታ ናይዞም ዘይዕውታት [መሰኻኽር] እንተ ዝኸውን ነይሩ: ምናልባት . . . ነታ ቦርሳ ምስቲ ሒዛቶ ዝነበረት ብዙሕ ገንዘብ ሒዝዋ ስቕ ምበለ ነይሩ። እንተዀነ ግን እቶም ፈጺሞም እሙናት ክዀኑ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ኣይኰኑን” በለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ፈጺሞም እሙናት” ክዀኑ ዘለዓዓሎም እንታይ ኢዩ፧ ምስቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትምህርትታት ብምስምማዕ እቲ ንኣምላኾምን ንብጻዮምን ዘለዎም ፍቕሪ ኢዩ ከምኡ ገይርዎም። (ማቴዎስ 22:​37-​39) ስለዚ ድማ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እተመባጽዖ ድንቂ ዝዀነ “ሓድሽ ምድሪ” ዝገልጽ ብስራት ንኽሰብኩ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝኸዱ። ከምዚ ዝበለ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ንብረት ንላዕሊ ዝኸበረ ኢዩ!​—2 ጴጥሮስ 3:​13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ