ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ኩባ ‘ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ተኸፊቱ’
ሃዋርያ ጳውሎስ ብሉጽ ሰባኺ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፈጣሪ ንእዙዛት ደቅሰብ እተማባጽዓሎም ዘለኣለማዊ ህይወት ንኻልኦት ምእንቲ ከማቕሎ: ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ተጠቒምሉ ኢዩ። ኣብታ ጥንታዊት ኤፌሶን ክበጽሕ ከሎ ንዝበዝሑ ሰባት ክሕግዘሉ ዝኽእል ሓድሽ ኣጋጣሚ ከም ዝረኸበ ፈለጠ። ከምዚ ኸኣ በለ:- ‘[“ናብ ዕዮ ዝመርሕ:” ትሓዓ ] ዓቢ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ እሞ: ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ ኢየ።’—1 ቈረንቶስ 16:8, 9
ኣብ ኩባ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ኣብ ሓድሽ ኵነታት ከም ዘለዉ ተረዲኦም ኢዮም። ጌና እኳ ብወግዒ እንተ ዘይተመዝገቡ: ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኦም ንደቂ ዓዶም ብግልጺ ከካፍልዎም ክኢሎም ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ መንግስቲ ኩባ ንእተፈላለያ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ናጻ ዀይነን ክዓያ ኣብ ምፍቃድ ዘለዎ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርእዩ ኢዩ። ፕረዚደንት ካስትሮ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሃይማኖታዊ ጕጅለ መጠን ሓደ ካብቶም መንግስቲ ኩባ ርክባቱ ዘመሓይሸሎም ዘሎ ሃይማኖታት ከም ዝዀኑ ብግልጺ ጠቒሱ ኢዩ።
እዚ ሓድሽ ኣጋጣሚ እዚ ንመሰኻኽር ‘ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ’ ከፊቱሎም ኢዩ። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት ንምውህሃድ ዝሕግዝ ሓደ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ኢዮም። ልዕሊ 65,000 መሰኻኽር: መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸጽንዑን ክርድኡን ንሰባት ይሕግዝዎም ኣለዉ። ከም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔት ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይጥቀሙ ኢዮም። ብዙሓት ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ኩባውያን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዖም ይጥቀሙ ኣለዉ።
እቶም መሰኻኽር ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ብምዃን ኣብ ምልእቲ እታ ደሴት ስርዓታዊ ኣኼባታት የካይዱ ኣለዉ። ሓድሓደ ግዜ ገለ 150 ዝዀኑ ሰባት ዝእከብሉ ዕብይ ዝበለ ኣሰምብሊታት ንምግባር ዝረኸብዎ መሰል የስተማቕሩ ኢዮም። ነቲ ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምሕባር ንኣምላኽ ውዳሰ ዝዝምሩሉን ዝጽልይሉን ኣጋጣሚ ዝሃቦም: ካብ ሰበ-ስልጣናት ኩባ ዝረኸብዎ ፍቓድ: ብሓቂ ኣማስዮምሉ ኢዮም።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ: “ኣምላኻዊ ፍርሃት” ኣውራጃዊ ኣኼባ ልዕሊ 1,000 ግዜ ዝኸውን ኣብ ሰለስተ ተኸታታሊ ቀዳመ ሰንበት ተገይሩ ነበረ። ሓደ ጸብጻብ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ኣኼባ “ስርዓት: ኣደብ: ከምኡውን ሰላም” ይርአ ከም ዝነበረ ገሊጹ ኢዩ። እቶም ሰበ-ስልጣናት ንመሰኻኽር በቲ ዝረኸብዎ ነገር እንቋዕ ኣሐጐሰኩም ኢሎምዎም ኢዮም።
ኣብ ምልእቲ ዓለም: ሓቀኛ ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ትእዛዝ ክፍጽምዎ ይጽዕሩ ኢዮም። ምስዚ ኸኣ: ምስ መንግስታውያን ሰበ-ስልጣናት ሰላማዊ ርክብ ክዕቅቡ ይጽዕሩ ኢዮም። (ቲቶስ 3:1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምኽሪ ናይቲ “እምበኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ: ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ: ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር: ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ” ብምባል ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ይስዕቡ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2