ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እታ “ቶ ʹቴ” (ሽዑ) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ስዒቡ ዝመጽእ ነገር ከም እተመልክት እርድኦ እየ። ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ስለምንታይ ድኣ እዩ እሞ ኣብ ማቴዎስ 24:9 “ሽዑ [“ቶ ʹቴ”] ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም . . . እዮም” ክብል ከሎ: እቲ ኣብ ሉቃስ 21:12 ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ድማ “ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም” ዝብል፧
ሓቂ ኢዩ: ቶ ʹቴ ንሓደ ስዒቡ ዝመጽእ ነገር: ተር ኢሉ ዝመጽእ ነገር ንምሕባር ክትውዕል ትኽእል ኢያ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣጠቓቕማ ናይታ ቃል እዚ ጥራይ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ኣየድልየናን ኢዩ።
ብኣርንት ባውርን ጊንግሪችን እተጻሕፈ ኤ ግሪክ-ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ኤንድ ኣዘር አርሊ ክርስቲያን ሊትረቸር (መዝገበ-ቃላት) እታ ቶ ʹቴ እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክልተ መሰረታዊ ትርጕም ሒዛ ከም ዘላ ሓቢሩ ኣሎ።
ሓደ መገዲ “ኣብቲ ግዜ እቲ” ዝብል ኢዩ። እዚ “ናይ ዝሓለፈ ሽዑ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብቲ እተዋህበ ኣብነት ማቴዎስ 2:17 ኢዩ:- “ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ . . . እተባህለ ተፈጸመ።” እዚ ንሓደ ተኸታታሊ ነገር ዘመልክት ዘይኰነስ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝዀነ ሓደ እተፈለየ ጉዳይ ማለት: ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈጸመ ዘመልክት ኢዩ። ብተመሳሳሊ ቶ ʹቴ “ናይ ዝመጽእ ሽዑ” ከመልክት እውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብነት እኳ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:12 ክርከብ ይከኣል ኢዩ:- “ሕጅስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና: ሽዑ ግና ገጽ ንገጸ ክንርኢ ኢና እሞ: ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ: ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ ጳውሎስ ንቶ ʹቴ ‘ኣብ ዝመጽእ’ ብዝብል ትርጕም ኢዩ ተጠቒሙላ ዘሎ።
ብመሰረት እዚ መዝገበ-ቃላት እዚ: ካልእ ኣወዓዕላ ናይታ ቶ ʹቴ እትብል ቃል “ቀጺሉ ዝመጽእ ነገር ንምግላጽ” ኢዩ። እዚ መዝገበ-ቃላት እዚ: ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ ንሕቶ ሃዋርያቱ መልሲ ዝሃበለን ሰለስተ ጸብጻባት: ብዙሕ ኣብነታት ይህብ።a እቲ መዝገበ-ቃላት: እታ ቶ ʹቴ እትብል ቃል “ቀጺሉ ዝመጽእ ነገር ንምግላጽ” እተመልክተሉ ኣብነታት ከም እኒ ማቴዎስ 24:10, 14, 16, 30፣ ማርቆስ 13:14, 21፣ ከምኡውን ሉቃስ 21:20, 27 ጠቒሱ ኣሎ። ነቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ሓሳባት ምንባብ: ተኸታቲሉ ዝመጽእ ግዜ ኢዩ ኢልካ ምርድኡ ስለምንታይ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ይሕብር። እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ዝመጽእ ፍጻሜታት ኣሰራርዓ ሒዙ ዘሎ ናይ የሱስ ትንቢት ንኽትርድኦ ሓጋዚ ኢዩ።
ይኹን እምበር: እታ ቶ ʹቴ ኣብዚ ጸብጻባት እዚ ተጠቒሳትሉ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ኣብነት: ስዒቡ ንዝመጽእ ነገር ጥራይ ኢዩ ዘመልክት ኢልና ክንድምድም ኣይግብኣናን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ማቴዎስ 24:7, 8 የሱስ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ክለዓል: ዋሕዲ መግብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን ምዃኑ ኣቐዲሙ ከም ዝነገረ ነንብብ። ቍጽሪ 9 ኸኣ ቀጺላ “ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ትብል። እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ውግእ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኵሉ መስጐጕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ክፍጸም ምናልባትውን ደው ክብል ማለት ድዩ፧
እዚ ርትዓዊ ኣይኰነን: በቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እተፈጸመ እንፈልጦ ፍጻሜውን እተደገፈ ኣይኰነን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ እቶም ኣባላት ናይታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉበኤ ስብከቶም ጅምር ምስ ኣበሉ ዳርጋ ሽዑ ንሽዑ: ከቢድ ምጽራር ወሪድዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:5-21፣ 5:17-40) ብርግጽ እምበኣር ኵሉ እቲ የሱስ እተዛረበሉ ውግእ: ጥሜት: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ እቲ ናይ መጀመርታ መስጐጕቲ ተፈጺሙ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: እቲ ምጽራር እቲ ምስቲ ሉቃስ “ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም” ብምባል ተጠቒሙሉ ዘሎ ኣገላልጻ ብምስምማዕ “ቅድሚ” እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ካልእ ብዙሕ ነገራት ኢዩ መጺኡ። (ሉቃስ 21:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኸኣ እታ ኣብ ማቴዎስ 24:9 ተጠቒሳ ዘላ ቶ ʹቴ ብዝያዳ “ኣብቲ ግዜቲ” ዝብል ትርጕም ሒዛ ከም ዘላ የመልክት። ኣብቲ ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝዀነሉ እዋናት: ወይ ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ: ሰዓብቲ የሱስ ክስጐጉ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ኣብ ማቴዎስ: ማርቆስ: ከምኡውን ሉቃስ ዝርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ እዚ ኣብ ናይ ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24ን 25ን ብተርታ ተሰሪዑ ኣሎ። እታ ቶ ʹቴ እትርከበሉ ቦታታት “ሽዑ” ብዝብል ቃል ተተርጒሙ ብድሙቕ ተጻሒፉ ኣሎ።