ቀደም ዳኛ ዝነበረ ድሕሪ 45 ዓመታት ይቕሬታ ይሓትት
ሓደ ቅድም ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ዝነበረ: ብነሓሰ 1995 ኣብ ናይ በርሊን ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ዝፈጸሞ ጌጋ ንሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጣዕሳኡ ገሊጹ።
ብጥቅምቲ 1950: እቲ ናይ ጀርመን ደሞክራቲክ ሬፑብሊክ (ጂዲኣር) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ: ንትሸዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር መንግስቲ ብምልዕዓልን ብስለላን ገበነኛታት ከም ዝዀኑ ገይሩ ፈረዶም። እቶም ክልተ ንሕልፈት ተፈሪዶም: እቶም ካልኦት ሸውዓተ—ሓደ ካብኣቶም ሎታር ሆርኒክ እተባህለ ወዲ 22 ዓመት: ኣብዚ ስእሊ ካብ የማን ጀሚርካ መበል ራብዓይ ዘሎ ተኸሳሲ: ሓዊስካ—ንነዊሕ ዓመታት ክእሰሩ ተፈርዱ።
ድሕሪ ኣርባዓ ዓመታት ጀርመን ደሞክራቲክ ሪፑብሊክ ናይ ፌደራላዊት ሪፑብሊክ ጀርመን ክፍሊ ኰነት። ሰበ-ስልጣናት ነቲ ኣብ ጀርመን ደሞክራቲክ ሬፑብሊክ ነበር እተገብረ ምጕዳል ፍትሒ ክምርምሩ ጀመሩ: ነቶም ተሓተቲ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ደው ከብልዎም ፈተኑ። ሓደ ካብቲ ምጕዳል ፍትሒ ድማ እቲ ኣብቶም መሰኻኽር ብ1950 በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እተገብረ ኢዩ ነይሩ።
ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ዘሎ ኤ. ቲ.: እቶም ትሸዓተ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ቀሪቦም ክፍረዱ ከለዉ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዳየኑ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ፍትሒ ብምዕምጻጹ ተኸሲሱ እቲ ዘሕለፎ ውሳነ እንታይ ከም ዝነበረ ንኽነግር ኣብ በርሊን ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ኣውራጃ ቤት ፍርዲ ቀረበ።
እቲ ቅድም ዳኛ ዝነበረ ኣብቲ ንቤት ፍርዲ ዝሃቦ ቃል: ቅድሚ 45 ዓመታት ቅልል ዝበለ ፍርዲ ክብየነሎም ደልዩ እኳ እንተ ነበረ: ገበነኛታት ኢዮም ኢሉ ድጋፉ ከም ዝሃበ ግን ተኣመነ። እንተዀነ ግን: እዚ ሕጂ ዝቐረበ ክሲ እንደገና ከም ዝሓስብ ገበሮ። ስለምንታይ፧ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ናዚ ሰዓብቲ መስጐጕቲ ዝወርዶም ዝነበረ ንሂትለር ምድጋፍ ስለ ዝኣበዩ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ውግእ እቶም መሰኻኽር እንደገና በቲ ናይ ኮሙኒስት ግዝኣት ስደት ወረዶም። እዚ ድማ ነቲ ዳኛ “ኣጸቢቑ ከም ዝጭነቕ” ይገብሮ ነበረ።
ሎታር ሆርኒክ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ጽምዊ ቤት ማእሰርቲ ከም እተኣስረ: ክሳዕ 1959 ድማ ካብ ናይ በራንደንቡርግ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘይተፈትሐ ነቲ ቤት ፍርዲ ቃሉ ሃበ። እቲ ቅድም ዳኛ ዝነበረ ነቲ ሆርኒክ ዝበሎ ሓሳባት ምስ ሰምዐ በኸየ። እናተነኽነኸ ድማ “ኣዝየ ተጋግየ ኢየ: በጃኻ ይቕሬታ ግበረለይ” በለ። ሆርኒክ ድማ ተቐበሎ።—ምስ ሉቃስ 23:34 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Neue Berliner Illustrierte