ናይ ሓቂ ድሕንነት ምብጽሑ ዘሸግር ሸቶ
ኣርኖልድ ነቲ ብጡጥ ተሰጒዱ እተሰርሐ ናይ ነብሪ ባንቡላኡ ዝፈቱ ቈልዓ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ማለት ኣብ ጸወታ: መኣዲ: መደቀሲ ኵሉ ግዜ ምስኡ ሒዝዎ ይኸይድ ነበረ። እቲ ነብሪ ቅሳነትን ድሕንነትን የምጽኣሉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ጸገም ተፈጥረ። እቲ ነብሪ ጠፍአ!
ኣርኖልድ ምስ በኸየ: ኣዲኡ: ኣቦኡ: ከምኡውን ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ነቲ ነብሪ ንምርካብ ኣብቲ ዓቢ ገዝኦም ኣብ ኵሉ ሃለው በሉ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ተስሓባይ ረኸቦ። ኣርኖልድ ኣብቲ ተስሓባይ ምስ ኣቐመጦ: ድሓር ኣበይ ከም ዝገበሮ ከም ዝረስዖ ርግጽ ኢዩ። እቲ ነብሪ ምስ ተረኽበ: ኣርኖልድ ንብዓቱ ደረዘ። እንደገና: ሓጐስን ድሕንነትን ዘለዎ ኰይኑ ተሰምዖ።
ልክዕ ከም ንሓደ ናይ ነብሪ ባንቡላ ኣብ ተስሓባይ ብቐሊሉ ምርካብ: ኵሉ ጸገማት ከምኡ ገይርካ ክፍታሕ ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ ኣየ ከመይ ሰናይ ምዀነ ነይሩ! ይኹን እምበር: ድሕንነት ብዝምልከት: ንመብዛሕትኦም ሰባት ካብኡ ዝያዳ ከቢድን እተሓላለኸን ኢዩ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታ ሰባት ‘ገበን ወይ ዓመጽ የጋጥመኒ ደዀን እኸውን፧ ካብ ስራሕ እወጽእ ደዀን እኸውን፧ ስድራቤተይ እኹል መግቢ ናይ ምርካብ ውሕስነት ይህልዋዶ ደዀን ይኸውን፧ ብምኽንያት ሃይማኖተይ ወይ ከኣ ዓሌታዊ መበቈለይ ካልኦት የግልሉኒ ደዀን ይዀኑ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ኢዮም።
ድሕንነት ዘይስምዖም ሰባት ቍጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት: ዳርጋ ሰለስተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት: ነቲ ተራ ሕማም ዝኸውን መሐከሚ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ግድን ኣድላዪ ዝዀነ ኣፋውስውን ከይተረፈ ንምዕዳግ ዓቕሚ ይስእኑ ኣለዉ። ካብ ሓደ ቢልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት: ብኸቢድ ድኽነት ማሲኖም ይርከቡ ኣለዉ። ዳርጋ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ድማ ክሰርሑ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ኣፍራዪ ዝዀነ ስራሕ የብሎምን። ናይ ስደተኛታት ቍጽሪ ይውስኽ ኢዩ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ናይ 1994: ዳርጋ ካብ ነፍሲ ወከፍ 115 ሰባት 1 ገዝኦም ገዲፎም ተሰዲዶም ኢዮም። ቍጽሪ ዘይብሉ ገበንን ዓመጽን ዘፍሪ ዘሎ ኣብ ዓመት 500 ቢልዮን ዶላር ዘእቱ ናይ ሓሽሽ ንግዲ: ናይ ሚልዮናት ሰባት ህይወት ኣበላሽዩ ኢዩ። ህይወት ሚልዮናት ሰባት ብውግእ ጸኒቱ ኢዩ። ኣብ 1993 ጥራይ 42 ሃገራት ኣብ ዓበይቲ ኲናት ክጽመዳ ኸለዋ ካልኦት 37 ሃገራት ድማ ፖለቲካዊ ዓመጽ ኣሕሊፈን ኢየን።
ውግእ: ድኽነት: ገበን: ከምኡውን ካልእ ንናይ ወድሰብ ድሕንነት ዘሰግእ ነገራት ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ኢዩ: ብቍጽሪ ድማ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት መፍትሒ: ኣብ ተስሓባይ ነብሪ ከም ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። እኳ ድኣ ደቅሰብ ፈጺሞም ኣይክፈትሕዎምን ኢዮም።
ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ብምባል የጠንቅቐና። እሞ ኣብ መን ድኣ ኢና ክንውከል እንኽእል፧ እዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ቀጺሉ “ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ: ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ። ንሰማይን ምድርን: ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ” ይብል።—መዝሙር 146:3-6
ነዛ ምድሪ እዚኣ ድሕንነት ከምጽኣላ ኣብ የሆዋ ክንውከል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ሕጂ ድሕንነት ዘለዎን ሕጕስን ናብራ ከተስተማቕር ይከኣልዶ፧ የሆዋ ነቲ ንናይ ደቅሰብ ድሕንነት ዕንቅፋት ዝዀነ ነገር ብኸመይ ኢዩ ዘልግሶ፧