ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ቃል ኣምላኽ ሰባት ንኽልውጥ ዘለዎ ሓይሊ
ከምቲ ባዕሉ እተኣመኖ ‘ጸራፍን: ሰጓጕን: ገፋዕን’ ኢዩ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) እንተዀነ ግን: ተለወጠ ደኣ! ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ለውጢ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ዳሕራይ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ክዛረብ ክኢሉ ኢዩ።”—1 ቈረንቶስ 11:1
ሎሚ እውን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዓት ኣምለኽቲ ተመሳሳሊ ለውጢ ይገብሩ ኣለዉ። ንኽልወጡ ዘኽእሎም ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ ፍልጠት ኣምላኽ ይወስዱን ኣብ ህይወቶም ድማ ኣብ ተግባር የውዕልዎን ኢዮም ዘለዉ። እዛ ቀጺላ ዘላ ተመክሮ: ቃል ኣምላኽ ሰባት ንኽልውጥ ዘለዎ ሓይሊ እተጕልሕ ኢያ።
ኣብ ስሎቪንያ: ኣረገውቲ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓደ ዓዲ ወጺኦም ንበይኖም ይነብሩ ነበሩ። እቲ ዮሼ እተባህለ በዓል ቤት ዳርጋ ወዲ 60 ዓመት ኢዩ: ከቢድ ናይ መስተ ወልፊ ድማ ነበሮ። ጌና ግን ነታ ሊድሜላ እተባህለት ሕምምቲ በዓልቲ ቤቱ ይኣልያ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ዮሼ ክልተ ኣወጅቲ መንግስቲ ረኸብዎ። ነቶም መሰኻኽር ድማ ናብ ገዝኡ ክመጹ ዓደሞም: ኣብኡ ኸኣ ንበዓልቲ ቤቱ ረኸብዋ። ሊድሜላ: ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐት: ኣብ ገጻ ናይ ሓጐስ ንብዓት ዘረር በለ። ዮሼ እውን ነቲ ዝሰምዖ ኣዝዩ ተሓጐሰሉ: ብዙሕ ሕቶታት ድማ ሓተተ። እቶም መሰኻኽር ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ገዲፎምሎም ከዱ።
እቶም መሰኻኽር ሓደ ወርሒ ጸኒሖም ምስ ተመልሱ: ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ጣውላ ተቐሚጣ ረኣዩ። ካበይ ከም ዝረኸባ ምስ ሓተትዎ: ዮሼ “ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝገደፍኩምለይ መጽሔታት ኣብቲ ዳሕረዋይ ገጽ ኣድራሻታት ጸኒሑኒ። ስለዚ ድማ ናብቲ ኣብ ዛግሬብ ዘሎ ቤት ጽሕፈትኩም ጽሒፈ እታ መጽሓፍ ክትለኣኸለይ ኣዘዝኩ” በሎም። ነቲ ዝነበሮ ተግዳስነት ብምርኣይ ድማ ኣብቲ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ድሕሪ ቑሩብ ክግበር ዝነበሮ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክካፈል ተዓደመ። ኣብቲ ቦታ ብምምጽኡ ድማ ነቶም መሰኻኽር ኣሐጐሶም!
ቀልጢፉ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሉ: ጽቡቕ ዕብየት ድማ ገበረ። ንኣብነት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስሊ . . . ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ” ዝብል ምስ ኣርኣይዎ ቀልጢፉ ስእልታትውን ሓዊስካ: ነቲ ኣብ ገዛ ዝነበረ ኵሉ ሃይማኖታዊ ምስልታት ኣኪቡ ደርበዮ።—ዘጸኣት 20:4, 5
ዮሼ ዝነበሮ ጽምኢ ናይ መንፈሳዊ ሓቂ ዓገበ። ዘሕዝን ግን: ጌና ካልእ ጽምኢ እውን ኣለዎ። ንገለ 18 ዓመታት ዝኸውን ንመዓልቲ ዳርጋ ዓሰርተ ሊትሮ ወይኒ ይሰቲ ነበረ። ብስንኪ እቲ ዝነበሮ ናይ መስተ ጸገም ንኣካላዊ ትርኢቱ ብዙሕ ኣየቕልበሉን ኢዩ ነይሩ። ዳሕራይ ግን ኣምላኽ ብዛዕባ ጌጋ ኣጠቓቕማ ናይ ኣልኮል ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ተማህረ ንኽልወጥ ቈረጸ።
ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰቲ እናጸብጸበ ድማ ነቲ ዝነበሮ ናይ መስተ ግድል ንኸሰንፎ ጸዓረ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ናይ ወይኒ ባርያ ካብ ምዃን ተገላገለ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዓሉ ዝነበረ ግዜ ክርስትያናት ጽቡቕ ዝዀነ ኣካላዊ ንጽህና ክህልዎም ከም ዝግባእ ፈለጠ። ስለዚ ድማ ነቶም መሰኻኽር ገንዘብ ሂቡ “ኪዱ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ክጠቕመኒ ዝኽእል ኵሉ ዓይነት ክዳውንቲ ግዝኡለይ!” በሎም። እቶም መሰኻኽር ድማ ናይ ውሽጢ ክዳን: ካልሲ: ካምቻ: ጁባን ስረን: ካራቫታ: ከምኡውን ቦርሳ ገዚኦምሉ መጹ።
ንሓደ ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ ድማ ዮሼን ሊድሜላን ነቶም መሰኻኽር ኣብቲ ዝገብርዎ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ከሰንይዎም በቕዑ። ሰለስተ ኣዋርሕ ጸኒሖም ድማ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንወፈያኦም ብማይ ጥምቀት ገይሮም ኣርኣዩ። ዮሼ ዋላ እኳ ዕቤትን ናይ ጥዕና ጸገምን እንተነበሮ ብስራት ኣብ ምስባኽ ስርዓታዊ ኰይኑ ይካፈል ነበረ: ጸኒሑ ድማ ኣብ ግንቦት 1995 ክሳዕ ዝመውት ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ብዘይምቍራጽ ብምፍጻም ኣብታ ጉባኤ ከም ድያቆን ኰይኑ ኣገልገለ። እዞም ትሑታት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ናብራኦም ዘፍረይዎ ኣዎንታዊ ፍረ ነቲ ቃል ኣምላኽ ሰባት ንኽልውጥ ዘለዎ ሓይሊ ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ!