እምነት ነቲ እተኣዘዞ ክገብር ኣለዓዒላቶ
የሆዋ ንሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ መሪሑ ከውጽኦም ምስ መዘዞ: መጀመርያ “ኣየ ጐይታይ: ኣነ ኣፈይ ወታእ: ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ: ትማሊ ዀነ: ቅድሚ ትማሊ ዀነ: ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን: ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” ብምባል ክሓድጎ ንየሆዋ ለመኖ። (ዘጸኣት 4:10) እወ: ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ከቢድ ሓላፍነት ክፍጽም ብቕዓት ከም ዘይብሉ ኰይኑ ተሰምዖ።
ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ እተመዘዝሉ ዕዮ ክፍጽሙ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ቴዶር እተባህለ ክርስትያን ተዓዛቢ ከምዚ ይብል:- “ካብቲ የሆዋ ክገብሮ ዝሓተተኒ ኵሉ ነገራት: ግራት ኣገልግሎት እቲ ዝኸበደ ኢዩ። ንእሽቶ ከሎኹ: ነቲ ደወል ጭር ዘብል ብምምሳል ቀልጢፈ ናብቲ ማዕጾ እኸይድ: ዋላ ሓደ ሰብ ንኸይርእየኒ ወይ ንኸይሰምዓኒ ድማ ቀስ ኢለ እሓልፍ ነበርኩ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ ግን ከምኡ ምግባር ኣቋረጽኩ: ጌና ግን እቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ቀጨውጨው ኢዩ ዘብለኒ። ክሳዕ እዛ ግዜ ኣዚኣ እውን ከይተረፈ: ቅድሚ ኣገልግሎት ምኻደይ ይጽልኣኒ ኢዩ: ዝዀነ ዀይኑ ግን እኸይድ ኢየ።”
ንሙሴን ንኸም ቴዶር ዝኣመሰሉ ዘመናውያን መሰኻኽርን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ክጋጠምዎ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምልስ:- “[ሙሴ] ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ . . . ብእምነት ንግብጺ ሓደጋ።”—እብራውያን 11:27
ብርግጽ: ሙሴ ኣብ የሆዋ እምነት ስለ ዘርኣየ ነቲ ከም ዘይብቑዕ ኰይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ስምዒት ስዒሩ ከም ፈራዲ: ነብዪ: ሃገራዊ መራሒ: ናይ ሕጊ ኪዳን ማእከላይ: ኣዛዚ: ጸሓፍ ታሪኽ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ኰይኑ ብምዕያይ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ፈጺሙ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ: ከም ናይ ሙሴ ዝኣመሰለ እምነት ምስ ዝህልወና ‘ነቲ ዘይርኤ ከም እንርእዮ ኴንና’ ክንመላለስ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት: ዘይንበቅዕ ኰይኑ ክስመዓና ከሎ እውን ከይተረፈ ነቲ ዘሎና ክርስትያናዊ ሓላፍነት ንኽንስከም ዘኽእልና ትብዓት ዝህብ ኢዩ።