ናይ ሕሙማት መሰል ተሓልዩ
‘ነዚ መጥባሕቲ እዚ ብዘይ ደም ክገብረሉ ዝኽእል መገዲ የሎን። መጥባሕቲ ክግበረልኪ እንተድኣ ደሊኺ: ምስቲ ኣነ ዝጥቀመሉ ናይ ሕክምና ኣገባብ ክትሰማምዒ ኣሎኪ። እንተዘየሎ: ካልእ ሓኪም ድለዪ።’
ናይዚ ሓኪም እዚ ቃላት ንእምነት ናይታ ኣብ ታይላንድ እትርከብ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነት ጀን ሲ ዩ ኣየናቓነቖን። ጀን ሜኒንጂዮማ ዝበሃል ናይ ሓንጐል ጥረ ከም ዘለዋ ምስ ተፈልጠ: ቅልጡፍ መጥባሕቲ ክትገብር ኣድለያ። ይኹን እምበር: ነቲ ‘ካብ ደም ተሓለዉ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክትሕሉ ወሲና ነበረት።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29
ጀን ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ዓዳ ክትሕከም ብምምራጽ: ኣብ ካልእ ክልተ ሆስፒታላት ከደት። እቶም ኣብቲ ካልእ ሆስፒታላት ዝነበሩ ሓካይም እውን ብዘይ ደም መጥባሕቲ ምግባር ብምእባዮም ተስፋ ቘረጸት። ኣብ መወዳእታ: ጀን በቲ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ኣቢላ: ምስቲ ኣብ ቶክዮ ዝርከብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናዊ ኮለጅ ትካል ስነ-መትኒ ተራኸበት። እቲ ሆስፒታል እቲ በቲ ጋማ ናይፍ ዝበሃል: ኣብቲ ብጮራ ብርሃን ገይርካ ዝግበር ሕክምና ሓድሽ ምዕባለ ዝዀነ ሕክምና ገይሩ: ልዕሊ 200 ዝዀኑ ናይ ሓንጐል ጥረ ዝነበሮም ሕሙማት ሓኪሙ ኢዩ።
ጀን ምስቶም ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝነብሩ ጃፓናውያን መሰኻኽር ክትጸንሕ መደባት ተገብረ። ክልተ ቋንቋ ታይ ዝዛረቡ መሰኻኽርን ሓደ ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ተወካልን ሓዊስካ: ሓደ ጕጅለ መሰኻኽር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተቐበልዋ። ንሰሙን ኣቢሉ ዝኸውን መርመራታት ድሕሪ ምግባራ: ጀን ናብቲ ብጋማ ናይፍ ሕክምና ዝገበረትሉ ሆስፒታል ኣተወት። እቲ ሕክምና ዳርጋ ሓደ ሰዓት ጥራይ ወሰደ። ንጽባሒቱ ጀን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ኣብታ ድሕሪኣ ዝነበረት መዓልቲ ድማ ናብ ታይላንድ ተመልሰት።
ጀን “በዚ መደብ እዚ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ሓገዝ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰብኩን: በቲ እተራእየ ፍቕርን በቲ እቶም ዝምልከቶም ክፍልታት ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ብሓቂ ተደኒቐ ኢየ” በለት።
እታ ማይኔቼ ሼምባን እተባህለት ናይ ጃፓን ጋዜጣ ብዛዕባ እዚ ዜና እዚ ጸብጻብ ከተቕርብ ከላ ከምዚ ዝብል ርእይቶ ሃበት:- “ክሳዕ ሕጂ ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ምትሕልላፍ ደም ምእባይ ጐሊሑ ዝጸንሐ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ምትሕልላፍ ደም ከም በዓል አይድስ: ብሰንኪ ናይ ቫይረስ ረዅሲ ዝመጽእ ሕማም ጸላም ከብዲ: ከምኡውን ኣለርጂክ ዝኣመሰለ ናይ ጐድኒ ጠንቅታት ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ብዘየገድስ ምትሕልላፍ ደም ዘይደልዩ ሕሙማት ኣለዉ።”
እታ ጋዜጣ ብምውሳኽ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ምትሕልላፍ ደም ዝኣበዩ ብዙሓት ሕሙማት ሆስፒታላት ክቕይሩ ተገዲዶም ኢዮም: ይኹን እምበር ናይ ሕሙማት ምርጫ ብምኽባር ዝመጸ: ብወገን ናይ ሕክምና ትካላት ለውጢ ምግባር የድሊ ኢዩ። ሓበሬታ ዘለዎ ስምምዕ (ሓደ ሕሙም እቲ ሕክምና እንታይ ከም ዘጠቓለለ ምሉእ መግለጺ ዝረኽበሉን ሕክምና ንኽገብር ድማ ዝሰማምዓሉን ኵነታት) የድሊ ኢዩ: እቲ ናይ ምትሕልላፍ ደም ጕዳያት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እዚ ንእተወሰነ ሃይማኖት ጥራይ ዝምልከት ጕዳይ ከም ዘይኰነ ክፍለጥ ኣለዎ።”
ከም ጀን ሲ ጁ ዝኣመሰሉ ብዘይ ደም ሕክምና ክገብሩ ዝመረጹ ብዙሓት ሰባት ናብ ካልእ ሆስፒታላት ክቕየሩ ኣድልይዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንጻዕሪ ናይቶም ንመሰል ሕሙማቶም ከኽብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሓካይም የማስውሉ ኢዮም።
ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት: ምስቶም ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘኽብሩ ሓካይም ንኽትሓባበር ተባሂሉ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብተን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨናፍር ዝቘመ ኢዩ። ኣብ ምልእቲ ዓለም ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ምስ ሆስፒታላት: ሓካይም: ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና: ጠበቓታት: ከምኡውን ምስ ዳኛታት ናይ ምትሕብባር ርክባት ዝፈጥር ኢዩ