በቲ ዝዓበየ ዓርኮም ኢዮም ተደጊፎም
ሓደ ዕርክነት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ደጊፍዎም ኢዩ። እዚ እቲ ምስቲ ዝዓበየ ዓርኮም: የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ክቡር ርክብ ኢዩ። (ምስ ያእቆብ 2:23 ኣረኣእዮ።) ከቢድ ናይ እምነት ፈተናታት ከጋጠሞም ከሎ ይድግፎም ኢዩ።
እቶም መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ንጽህናኦም ብምሕላው ዝመጸ ዘለዎም ታሪኽ ብብዙሓት ተዓዘብቲ ምስጋና ዘትረፈ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ተዓዘብቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ኮሚኒስት መዳጐኒ ደምበታት ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፉ: ብ1968 ካብ ቼኮዝላቫኪያ እተሰደ ናይ ፍልስፍናን ባህርያዊ ስነ-ፍልጠትን ዶክተር ዝዀነ: ዪርዤ ክሩፕቺካ ኢዩ። ኣብታ ሬነሰንስ ሮዙሙ (ናይ ምስትውዓል ተሃድሶ) እትበሃል መጽሓፉ ንስቓይን ጽንዓትን ናይቶም ብምኽንያት ገለልትነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ መሰኻኽር ኣመልኪቱ ርእይቶኡ ሃበ።
ኣብ ትሕቲ ናይ ኮሚኒስት ምምሕዳር: ብዙሓት መሰኻኽር ብምኽንያት እምነቶም ክእሰሩ ተፈሪዶም ነበሩ። ሽሕ’ኳ ተኣሲሮም እንተ ነበሩ ንውግእ ዝውዕል ናይ ዩራኒዩም ማዕድን ምዅዓት ኣበዩ። (ኢሳይያስ 2:4) ክሩፕቺካ ብ1952 ኣብ ሓደ ካብዚ ማዕድን ዝኰዓተሉ ቦታታት ዝርኣዮ ፍጻመ ይገልጽ። ኣብቲ ናይ ክረምቲ ብርቱዕ ዛሕሊ ዝነበረሉ ግዜ ልክዕ ከም ብበረድ እተሸፈ ሓወልቲ ክልተ ሰባት ደው ኢሎም ረኣየ። ላዕለዋይ ክፍሊ ኣካላቶምን ኣራእሶምን ድማ ብፊስቶ ተሸፊኑ ነበረ።
ክሩፕቺካ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ዝበለየ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ካብ ንግሆ ኣትሒዞም ኣብቲ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። ክንድዚ ዝምንውሑ ግዜ በቲ ብቑሪ ዝኸርደደ ኣእጋሮም ከመይ ገይሮም ደው ክብሉ ክኢሎም፧ ብናይ እምነት ሓይሊ ኢዮም ክኢሎምዎ። እቲ ፊስቶታት ዝኣረገን ዝመረተን ኢዩ ነይሩ። ሓደ ጨካን ሰብ ድማ እቲ በሊሕ ጠርዚ ናይቲ ፊስቶ ነቲ ጃኬት ሓሊፉ ኣብ ቈርበት ሓደ ካብቶም ሰብኡት ክሳዕ ዝኣቱ ብሓይሊ ኣብ ኣራእሶምን መንኵቦምን ደግደጎም: ካብ እጅገ ናይቲ ሓደ ሰብኣይ ድማ ደም ይነጥብ ነበረ።
“እቲ ዋርድያ ንመስርዕና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ: እቲ ኣዛዚ ድማ ሓጺር ዘረባ ኣስማዓና። ከይትሰርሕ ምእባይ ምዕላው ማለት ኢዩ: እዚ ድማ ዘቕጽዕ ኢዩ። እዞም ተጻባእቲ: እዞም ጸላእቲ ሶሻሊዝም እዚኣቶም: ብዛዕባ ውግእን ቅትለትን ናይ ኣምስሉ ርህራሀ ምርኣዮም ዘዋጽኦም ኣይኰነን: ብምባል ድማ ተዛረበና።”
እቲ ኣዛዚ ናይ ሓጺን ዱላ ኣልዒሉ ንሓደ ካብቲ ፊስቶታት ወቕዖ። እቲ ሰብኣይ ድማ እቲ ፊስቶ ጌና ሸፊንዎ ከሎ ወደቐ። እቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገር ካብ ተዘክሮ ናይ ክሩፕቺካ ፈጺሙ ዘይሕከኽ ኢዩ።
ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ:- “ካብ ውሽጢ እቲ ፊስቶታት መዝሙር ይስማዕ ነበረ። ልስሉስ ድምጽታት: ናብቲ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኰይኑ—ካብ ውሽጢ እቲ ዝኣረገን መራትን ናይ ዩራኒዩም ፊስቶታት እውን ከይተረፈ—ዝዀነ ነገር ክሰምዕ ዝኽእል ኣምላኽ ናይ ሕሽዅሽዅታ ጸሎት ይቐርብ ነበረ። ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ዓበይቲ ካቴድራላት ዝዝመር ሃይማኖታዊ መዝሙራት ብዝዓበየ ነዚ ኢዩ ዝሰምዖ።”
ኣብ 1 መስከረም 1993: እቲ ኣብ ቼክ ረፓብሊክ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። እቶም ኣብ ቼክ ዝርከቡ መሰኻኽር ሕጂ ናይ ክርስትያን ትምህርታዊ ዕዮኦም ብናጻ የካይዱ ኣለዉ። እወ: ብዛዕባ የሆዋ: እቲ ዝዓበየ ዓርኮም: ንኻልኦት ክዛረቡ ሕጕሳት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቼክ ረፓብሊክ ዝነበሩ ተኣከብቲ