ድሒንካዶ ኢኻ፧
ጆኒ ኣብ ሓደ ምርኢት ከሎ ሓደ ሰብኣይ ደው ኣቢሉ “ኣታ ጐበዝ: ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ገይርካ ትቕበሎ ዲኻ፧” ኢሉ ክሓቶ ከሎ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኢዩ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ኣብ የሱስ ይኣምን ብምንባሩ: እዚ ሕቶ እዚ ንጆኒ ዘደንጹ ኢዩ ኰይንዎ። ስለዚ ድማ “እወ: እኣምን ኢየ” ኢሉ መለሰ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኵሎም ምእንቲ ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ “ንጐይታ ኣመስግንዎ! ንክርስቶስ እትኸውን ካልእ ነፍሲ ድሒና ኣላ” ኢሉ ጨደረ።
ብሓቂ ግን: ድሕነት ክሳዕ ክንድኡ ቀሊል ድዩ፧ ጆኒ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ህይወቱ እንታይ ከም ዝገብር ብዘየገድስ ካብታ ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበላ ህሞት ኣትሒዙ “ድሒኑ” ድዩ፧ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት እወ ኢሎም ይምልሱ ኢዮም። ገለ ናይ ሃይማኖት ትራክትታት ነታ ዝደሓኑላ ዕለት ምእንቲ ክዝክርዋ ነታ ዕለት ክጽሕፍዋ ይነግራ ኢየን።
ሓደ ቀሺ “ኣብታ ንክርስቶስ ንእሽቶ እምነት ዘርኣኻላ እዋን . . . ንመጻኢ ዘሎካ ዕድል ንሓዋሩ ኢዩ ዝውሰን” ኢሉ ጸሓፈ። ንሱ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕነት “ኣብ ቀጻልነት ናይ እምነት” ዘይኰነስ ኣብ ንጽል: ናይ ሓደ ግዜ “ናይ እምነት ተግባር ” እተመርኰሰ ኢዩ ዝብል: ኢሉ ተዛረበ። ሓደ ካልእ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝጽሕፍ ድማ “እዚ ናይ ሓደ ግዜ ናይ እምነት ተግባር እተወድአ ዕዮ ኢዩ። ድሮ ንዓኻ ተገይሩልካ ኢዩ . . . ናትካ ‘ድሕንነት ተወዲኡ ኢዩ።’ ‘ሓጢኣትካ ለጊሱ ኢዩ’ ” ኢሉ ጸሓፈ። ይኹን እምበር: ዋላ እቶም እዚ ነገር እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝኣመኑ ሰባት እውን ከይተረፈ: ኣብዚ ሓደ ግድል ከም ዘሎ ክርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ብዙሓት ከም “ዝደሓኑ” እተነግሮም ሰባት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክዀንዎ ዝነግሮም ኰይኖም ከም ዘይነብሩ ግልጺ ኢዩ። ሓደ ልሙድ ዝዀነ መግለጺ ምናልባት ንክርስቶስ ብሓቂ “ኣይተቐበልዎን” ይዀኑ ዝብል ኢዩ።
ስለዚ ንየሱስ “ምቕባል” ማለት ብልክዕ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ናይ ሓደ ግዜ ናይ እምነት ተግባር ድዩ ወይስ ቀጻሊ ዝዀነ ኣገባብ ናብራ ኢዩ፧ ስጕምቲ ኽንወስድ ምእንቲ ክትድርኸና እምነትና ብርትዕቲ ክትከውንዶ ኣለዋ ኢዩ፧ ንዕኡ ኣብ ምስዓብ ዘሎ ሓላፍነት ከይተቐበልና ነቲ መስዋእቲ የሱስ ዘምጽኦ ረብሓታት ብሓቂ ክንቅበል ንኽእል ዲና፧
ብዙሓት ሰባት ነቲ ንየሱስ ኣብ ምስዓብን ምእዛዝን ዘሎ ሓላፍነት ዘይኰነስ ነቲ በረኸታት ኢዮም ዝደልዩ። አረ ብሓቅስ እታ “ምእዛዝ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ተናውጾም ኢያ። እንተዀነ ግን: የሱስ “ንዓውን ስዓበኒ” በለ። (ሉቃስ 18:18-23) መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ነቶም . . . ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ” ብምባል ይገልጽ።—2 ተሰሎንቄ 1:8, 9፣ ማቴዎስ 10:38፣ 16:24
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ንምድሓን ዝምልከት እተዋህበ ትምህርትታ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕቶታት ዘለዓዕል ነገራት ይዛረብ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እንታይ ከም ዝብል ከተረጋግጽ እንተድኣ ደሊኻ: እዘን ዝስዕባ ገጻት ብፍላይ ኣገደስቲ ኰይነን ክትረኽበን ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ነገር እዚ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እንታይ ኢሎም ከም ዝማሃሩ ንምፍላጥ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ: ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ኣንብቦም።