ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/1 ገጽ 2-4
  • ሰላም ክርከብ ዝከኣል ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰላም ክርከብ ዝከኣል ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ‘ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/1 ገጽ 2-4

ሰላም ክርከብ ዝከኣል ድዩ፧

“ኣብ ገለ ቦታ ኵሉ ግዜ ውግእ ክህሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ዘሕዝን ኵነታት ወድስብ።” እዚ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ሓደ ኣንባቢ ኣብ ኒውስዊክ እተባህለ መጽሔት እተጻሕፈ ኢዩ። ምስ እዚ ሓሳባት እዚ ትሰማማዕዶ፧ ውግእ ዘይተረፍ ሰላም ድማ ክርከብ ዘይከኣል ድዩ፧ ናይዚ ነገር እዚ መዐቀኒ ታሪኽ እንተድኣ ኰይኑ ንኽልቲኡ ሕቶታት እወ ኢልና ክንምልሸሉ ንግደድ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ መዛግብቲ ተታሒዙ ከም ዘሎ ወድሰብ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ብምክትታል ኣብ ውግእ ጥሒሉ ኢዩ: ከምኡውን ሰባት ንሓድሕዶም ዘቃትል ዝሓሸ መገድታት እናኣማዕበሉ ክኸዱ ከለዉ ግርጭታት ድማ ዝያዳ ኣዕነውቲ ኰኑ።

እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ድማ ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ብርግጽ እኳ ድኣ: ተገይሩ ዘይፈልጥ ደማዊ ውግኣት ክግበር ርእዩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ካልእ ሓድሽ ነገር እውን ርእዩ ኢዩ። ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክልተ ናይ ኣቶም ቦምብታት ኣብ ልዕሊ ጃፓን ብምድርባይ ናይ ኑክሌር መዋእል ኣተኣታተወት። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ: ሃገራት ንሰብ ብተደጋጋሚ ከጥፍኦ ዝኽእል ናይ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ዓቢ ኩምራ ኣኪበን ኢየን። ናይ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ህላዌ ንሰባት ኣብ መወዳእታ ውግእ ንኸይገብሩ ክኽልክሎም ይኽእል ድዩ፧ ነዚ እቲ ዘሎ ጭብጥታት ዝምልሾ ኢዩ። ምንም እኳ ክሳዕ ሕጂ ካልእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተ ዘይተደርበየ: ካብ 1945 ጀሚሩ ብዙሓት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ውግእ ሞይቶም ኢዮም።

ስለምንታይ ኢዩ ዓሌት ሰብ ውግእ ጥራይ ዝዀነ፧ እቲ ኤንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ገለ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ሰብ ናብ ውግእ ክመርሑ ዝጸንሑ ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ መዳያት ይጠቅስ። እዚኣቶም ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋር: ዓሌታውነት: ባህላዊ ፍልልያት: ናይ ስነ-ሓሳባት ፍልልይ (ከም በዓል ኮምኒዝምን ካፒታሊዝምን ዝኣመሰለ): ሃገራውነትን ናይ ሃገራዊ ልዕልነት ሰረተ-እምነትን: ቁጠባዊ ኵነታት: ልሙድ ዝዀነ ተቐባልነት ናይ ውትህድርና ዘጠቓልሉ ኢዮም። እዚ ዝርዝር እዚ ከተንብብ ከሎኻ: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክልወጥ ይኽእል ኢዩ ዝበሃል ገለ ነገር ረኺብካዶ፧ ሃገራትከ ሉዓላውነተን ኣብ ምሕላው ዘለወን ቈራጽነት ድሓን ክኸውን ድዩ፧ ሰባትከ ዓሌታውያን ካብ ምዃን ዝሓሹ ክዀኑ ድዮም፧ ናይ ሃይማኖት ጥሩፋትከ ዝሓሹ ክዀኑ ድዮም፧ እዚ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ።

እሞ: ኵነታት ዝሓሸ ዝዀነሉ ዘለኣለማዊ ሰላም ድማ ዝህልወሉ ግዜስ ፈጺሙ ተስፋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ተስፋ ኣሎ። እዚ ናይ ዓለም ዕግርግር እናሃለወ እንከሎ ሎሚ እውን ከይተረፈ ሰላም ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ሚልዮናት ከምኡ ገይሮም ኢዮም። እስከ ብዛዕባ ውሑዳት ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ክንነግረካ: እቲ ተመኵሮኦም ድማ ንዓኻ እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል ርአ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background cover and page 32: Reuters/Bettmann

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Reuters/Bettmann

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ