ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 32
  • ቂም ኣይትሓዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቂም ኣይትሓዝ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 32

ቂም ኣይትሓዝ

ገለ ሰብ ከሕርቐና ከሎ ቂምታ ከነወግድ ኣዝዩ በዳሂ ኰይኑ ይረኣየና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ: ንኸምዚ ዝበለ ኵነታት ተግባራዊ መልሲ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።”​—⁠ኤፌሶን 4:⁠26

ገለ ሰብ ክብድለና ከሎ: ብመጠኑ ሕርቃን ክስመዓና ቅቡል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኰርዩ” ክብል ከሎ: ሓድሓደ ግዜ ምሕራቕ​—⁠ምናልባት ናይ ኣተሓሕዛ ኣድልዎ ምስ ዝህሉ ወይ ፍትሒ ምስ ዝጐድል​—⁠ግቡእ ኢዩ ማለት ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 11:29 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ከይተፈትሐ ምስ ዝተርፍ: ምኽንያት ዘለዎ ሕርቃን እውን ይኹን: ናብ ከቢድ ሓጢኣት ብምምራሕ: ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 34:​1-31፣ 49:​5-7፣ መዝሙር 106:​32, 33) ስለዚ: ንኽትሓርቕ ምስ እትደፋፋእ እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧

ኣብ መብዛሕትኡ ንንኣሽቱ በደል ዝምልከት ጕዳያት: ነቲ ኵነታት ብውሽጥኻ ብምፍታሕ ‘ስቕ ክትብል’ ወይ ድማ ናብቲ ዝበደለካ ሰብ ቀሪብካ ነቲ ኵነታት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 4:4፣ ማቴዎስ 5:​23, 24) ቂም ነቲ ነገር ብምዕባይ ሕማቕ ፍረ ምእንቲ ከየስዕብ: ነቲ ሽግር ብዝዀነ መገዲ ከተደቅሶ ዝበለጸ ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠31

የሆዋ ንሓጢኣትና: ነቲ ብድንቍርናና እንገብሮ: ዘይነስትውዕለሉ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ብናጻ ሓዲጉልና ኢዩ። ንሕናኸ በተመሳሳሊ ነቲ ብጻይና ዝገብሮ ንኣሽቱ በደላት ክንሓድገሉ ኣይንኽእልንዶ፧​—⁠ቈሎሴ 3:13፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8

ዘገርም ድማ: እታ “ይቕረ ምባል” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ክሓልፍ ምሕዳጉ” ማለት ኢያ። ይቕረ ምባል ግድን ነቲ በደል ኣንኢስካ ምርኣይ ወይ ሸለል ምባል ማለት ኣይኰነን። ኣብ ገለ ግዜ: ቂም ምሓዝ ሸኸም ጥራይ ዝውስኽን ነቲ ሕብረት ናይታ ክርስትያን ጉባኤ ድማ ከም ዝዘርግን ብምስትውዓል: ብቐሊሉ ነቲ ኵነታት ክሓልፍ ምሕዳጉ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ቂም ምሓዝ ንጥዕናኻውን ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!​—⁠መዝሙር 103:⁠9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ