ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ዓለም—ኒው ዚላንድ
ደሴታት ንየሆዋ ከመስግናዶ ይኽእላ ኢየን፧ ብመሰረት ኢሳይያስ 42:10 “ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን: ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ” ስለ ዝብል: እወ ይኽእላ ኢየን። እተን ንኒው ዚላንድ ዘቝማ ደሴታት ንየሆዋ ብርግጽ የመስግናኦ ኢየን። እታ ብቐላያት: ወሽመጣት ባሕሪ: ነዋሕቲ ኣኽራናት: ኣኻውሕ በረድ: ገማግም ባሕሪ: ብኽንቲት መሰል ኣትክልቲ እተሰለመ ጫካ: ከምኡውን ብልሙዕ ንጕስነት ዝኸውን መሬት ፍልጥቲ ዝዀነት ናይ ዓለም ክፍሊ: ኒው ዚላንድ ናይቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ክብርን ዕብየትን ብጽቡቕ ትዛረብ ኣላ።
ካብ ምጅማር ናይዚ ዘበን እዚ ኣትሒዙ ብዙሓት ናይ ኒው ዚላንድ ተቐማጦ ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ብምምላስን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ምስ ካልኦት ብምክፋልን ንየሆዋ ንኸመስግኑ ድምጾም ይሕውሱ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ: ሓደ ምስክር ብዛዕባ ነዝማድ ምምስካር ዝገልጽ ጽቡቕ ተመኵሮ ምስ ሰምዐ: ንስድራቤቱ ክምስክረሎም ጻዕሪ ክገብር ወሰነ። ቅዳሓት ናይታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ህያባት ሃቦም። እቲ ፍረኸ ኣዝዩ ብዙሕዶ ነይሩ፧ ሓንቲ ሓፍቱን ሓደ ሓዉን ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ: ወዲ ሓዉ (ወዲ ሓፍቱ) ከም ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠሚቑ: ከምኡውን ካልኦት ነቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ዝያዳ ተቐበልቲ ኰይኖም ኣለዉ። ጌና ዝዕየ ሰፊሕ ግራት ኣለዎ፣ ብዘይካ ወለዱ: ሽዱሽተ ኣሕዋትን ትሸዓተ ኣሓትን ኣለውዎ!
እቶም መሰኻኽር መንግስቲ ኣዳራሻት ክሰርሑ ሓይሎም ምስ ኣተሓባበሩውን ንየሆዋ ምስጋና ኣምጽኢሉ ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ጋዜጣ ዓምዲ ጸሓፊ ሮይ ፐርኪንስ ኣብቲ ናይ 17 ግንቦት 1994 ኦፖቴኬ ኒውስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዘይኣማኒ ክነሰይ: ኵሎም እቶም ውፉያት ሰራሕተኛታት ኣብቲ ንፍቕሪ ኣምላኾም ዝኸውን ፕሮጀክት ክንድዚ ዝኣክል ግዜን ጻዕርን ምውፋዮም በቲ ስርሖምን ጻዕሮምን ኣዝየ ተመሲጠ ኢየ።
“ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝግበር ናይ ስራሕ ሰዓታት ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ክታረኽ ኣይሰማዕኩን ወይ ኣይረኣኹን . . . ደቂ ኣንስትዮ ብጐኒ ሰብኡት ብምዃን ኵለን ፍኹስ ኢልወንን ብሕጕስ ጠባይን ክጸርጋ: ከልዕላ: ክስከማ: ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ቀወምቲ ደይበን ነበራ።
“ዋላ ሓደ እውን ይኹን ሽጋራ ከትክኽ ኢሉ ሓንቲ ደቒቕ ኣየጥፍእን ኢዩ። እዞም ኵሎም ሰባት ብዘለዎም ሓይሊ ክሰርሑ ከለዉ ናይ መለቕለቒ ትክን ናይ ጡብ ሓመድን እንተዘይኰይኑ: እቲ ኣየር ጽሩይ ኢዩ ነይሩ።”
እቶም ናይ ጉባኤ ኦፖቴኬ ኣካል ሽማግለታት ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “እቲ ፕሮጀክት ብምሉኡ ነታ ከተማ ኣዛሪብዋ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባኡ ዝዛረብ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብዙሓት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመሩ። ሓደ ኣዝዩ ዘደንቕ ኰይኑ ዝረኸብናዮ ኸኣ ኣዝዮም ሃይማኖተኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ንብዙሕ ዓመታት ድማ ከይንበጽሖም ዝነገሩና ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብቲ ህንጻ ዝስራሓሉ ቦታ ድሓር ድማ ናብ ኣኼባታት ይመጹ ነይሮም። ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ ‘ህዝቢ ኣምላኽ ምዃንኩም ክርኢ ክኢለ ኢየ። ብውሽጠይ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ክሓብር ክናፍቕ ጸኒሐ ኢየ’ በለ።”
ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ሓደ ናይ ኦታጎ ደይሊ ታይምስ ጸሓፍ ዓምዲ ብዛዕባ እታ ኣብ ዱንደይን ብቕልጡፍ ኣገባብ እተሰርሐት መንግስቲ ኣዳራሽ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “ፍሉይ ዝዀነ ተግባር ኢዩ ነይሩ: ሓደ ፍሉይ ኣብነት ናይ ምልዕዓልን ርእስኻ ምሕጋዝን ኢዩ ነይሩ።” እዛ ጋዜጣ እዚኣ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ሃበት:- “ናይ ከተማ ዓበይቲ ሰባት ሓንቲ ዓባይ ህንጻ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክትዓቢ ከላ ብምድናቕ ተዓዘቡ: ካልኦት ብዙሓት ድማ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ጕጅለ ወለንተኛታት ሰባትን ናይ ምትሕብባር መንፈስን ምስ ዝህሉ እንታይ ካልእ ለውጥታትን ኣወንታዊ ፕሮጀክትታትን ክግበር ከም ዝኽእል ይሓስቡ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። መንግስቲ ኣዳራሽ ሃናጺ ጻዕሪ ዘፍርዮ ናይ ሓበን ምልክት ኢዩ።”
ካብ መንጎ እቶም ነቲ ናይ ህንጻ ቦታ መጺኦም ዝረኣይዎ ኣማእታት ሓደ ዓቢ ሰብ እቶም መሰኻኽር “ቤተ ክርስትያናት” ይሃንጹ ከም ዘለዉ: እታ ንሱ ዘለዋ ሃይማኖታዊት ጕጅለ ድማ ብምኽንያት እቲ እናቐነሰ ዝኸይድ ቍጽሪ ኣባላታ ትሸጦ ከም ዘላ ተዓዘበ። “ካልእ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተጸቢኹም እንተትዀኑ: ንሓደ ካብቲ ናትና ምገዛእኩምዎ ነይርኩም” ክብል ደፈረ። “እቲ ኽፍሊት ስለ ዘይከኣልናዮ ሓደ ክንሸይጥ ኣሎና። እንተዀነ ግን: ልክዕ ኢዩ: ንስኻትኩም ዝኽፈሉ ኣቕሽሽቲ የብልኩምን። . . . ድሓር ድማ እቲ ህንጻታትኩም ብቐሊሉ ዝጽገን ደኣምበር ኣብ ልዕሊኡ ክጽገን ዘይክእል ደወላት ዝሓዘ ዓበይቲ ህንጻታት ኣይኰነን።”
ርግጽ እምበኣር: ደሴታት ንኣምላኽ ከመስግና ይኽእላ ኢየን። ናይ የሆዋ ምስጋና ኣብዛ ውቅብቲ ናይ ሰላማዊ ውቅያኖስ ሃገር—ከምኡውን ኣብ ከባቢ ዓለም—ምድሃይ ዝቕጽል ይግበሮ!
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ሓጺር ጸብጻብ ሃገር:-
ናይ 1994 ዓመት ኣገልግሎት
ዝለዓለ ቍጽሪ መሰኻኽር:- 12,867
መጠነ ዝምድና:- 1 ምስክር ን271
ተኣከብቲ ዝኽሪ:- 24,436
ገምጋም ፓይነር ኣስፋሕቲ:- 1,386
ገምጋም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ:- 7,519
ቍጽሪ ጥሙቓት:- 568
ቍጽሪ ጉባኤታት:- 158
ጨንፈር ቤት ጽሕፈት:- ማኑሬዋ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ብ1930 ኣቢሉ ይኸውን ፓይነራት ናብ ግራት ኣገልግሎት እናኸዱ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት ኣብ ማኑሬዋ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ዴቮንፖረት: ኦክላንድ ክስበኽ ከሎ