‘ልክዕ ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዝስሕሎ’
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ሳልሳይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: ሓደ ኣንቶኒ እተባህለ ህንጡይ መንእሰይ “ኮፕቲክ ክርስትያን” ዝብል ስም ሒዙ ካብ ዓለም ተገለለ: ኣብ በረኻ ተፈልዩ ድማ 20 ዓመታት ኣሕለፈ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ምግባር ንኣምላኽ ንምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ከም ዝዀነ ስለ እተሰምዖ ኢዩ። ንሱ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ መጀመርያ ጽልዋ ዘለዎ ባሕታዊ ኢዩ።
ሎሚ: ህዝበ-ክርስትያን ውሑዳት ባሕታውያን ኢዮም ዘለውዋ። እንተዀነ ግን: እናበዝሑ ዝኸዱ ውልቀ-ሰባት ብኻልእ መገዲ ምግላል ይደልዩ። ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝራብ ናብ ዘይምርድዳእን ባእስን ዝመርሕ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም: ምስ ካልኦት ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝራብ ይኣብዩ። ኣምልኾኦም: ብቐንዱ ንብጻይካ ክፉእ ዘይምግባር ዝብል ኢዩ።
ሓቂ ኢዩ: ንብጻይካ ክፉእ ዘይምግባር ክፍሊ ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት ኢዩ: እንተዀነ ግን: ዝያዳ የድሊ ኢዩ። ሓደ ጥንታዊ ምስላ ከምዚ ይብል:- “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” (ምሳሌ 27:17) እቲ ሓቂ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ካብ ዓለም ወይ ካብ ካልኦት ክርስትያናት ርእሶም ክፈልዩ ዘይኰነስ ብሓንሳብ ክእከቡ ኢዩ ዘተባብዕ። (ዮሃንስ 17:14, 15) ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ምኽሪ እቲ ይስዕብዎ ኢዮም። ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ‘ገጽ ብጻዮም ንምስሓል:’ ናይ ኣመንቲ ብጾቶም እምነት ንምህናጽ ብሓንሳብ ይእከቡ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንዕና ምምይያጥ ድማ ናብ ባእሲ ከም ዘይመርሕ ተረዲኦም ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ: ናብ ስምረትን ሰላምን ኢዩ ዝመርሕ። ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣገዳሲ ክፍሊ ድማ ኢዩ።