ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/11 ገጽ 29
  • ናይ መግቢ ፓኮ ምስክርነት ትህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ መግቢ ፓኮ ምስክርነት ትህብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሳጹናት ትምህርቲ
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ኣብ ማእከል ዑናታት ረድኤት ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ብምርኣይና ልብና ተተንክዩ”
    ንቕሑ!—2017
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/11 ገጽ 29

ናይ መግቢ ፓኮ ምስክርነት ትህብ

ኣብ ኮቤ: ጃፓን: ዝሓለፈ ጥሪ: ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀጺለን ኣብ ዝነበራ መዓልትታት: እቶም ኣብቲ እተሃሰየ ቦታታት ዝነበሩ ሰባት መግቢ ንኽረኽቡ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ሕያውነት እተሓወሶ ሓገዝ ናይ ብጾቶም ምስጋና ይኹኖ: እኽለ⁠-ማይ ኣይሰኣኑን። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ: እተን ኣብ ቀረባ ዝነበራ ጉባኤታት ናይ ሩዝ ሕሾታት ሂበናኦም ኢየን። ብዙሕ ከይደንጐዩ ድማ: ሓለይቲ ብጾት ናይ መግቢ ፓኮታት ሰደድሎም። ነቶም እተጠቕዑ ዘለዎም ሓልዮት ዝገልጽ: ኣብቲ ናይ መግቢ ፓኮታት ዝጠበቐ ብዙሕ ንኣሽቱ መዘኻኸሪታት ነይሩ ኢዩ። እቶም ነቲ መግቢ እተቐበሉ ድማ: ነቲ ንኣሽቱ መዘኻኸሪታት ምስ ኣንበብዎ ንብዓቶም ክቈጻጸርዎ ስለ ዘይከኣሉ: ነፍሲ ወከፍ መግቢ ብንብዓት “ዝጠልቀየት” ከም ዝነበረት ተዛረቡ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዝነበሮም መግቢ ምስ ካልኦት እተሸገሩ ሰባት ተማቒሎምዎ ኢዮም። ሓደ ምስክር ምስ ሓደ ምስኡ ኣብ ሓንቲ ኩባንያ ዝሰርሕ ምስክር ዘይኰነ ካልእ መሳርሕቱ ብማኪና እናተጓዕዘ ከሎ ምስሑ ይበልዕ ነበረ። ሓንቲ ካብተን እተቐበለን ናይ መግቢ ፓኮታት ድማ መቐሎ።

መሳርሕቱ ድማ “እዚ መግቢ ካበይ ገዚእካዮ⁠፧” ክብል ሓተቶ። እቲ ሓው ድማ ብዛዕባ ናይቶም መሰኻኽር ናይ ረድኤት ዕዮ ገለጸሉ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብምስጋና “ንንውሕ ዝበለ መዓልትታት ኣሕምልቲ ኣይበላዕኩን። ቁሩብ ከትርፍ እሞ: ንስድራቤተይ ንገዛ ክማልኣሎም” በሎ።

ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ: እቲ መሳርሕቱ ነቲ ምስክር 3, 000 የን (ዳርጋ 35 ናይ ሕ.መ.ኣ. ዶላር ዝኸውን) ሃቦ: ከምዚ ድማ በሎ:⁠- “ምስ ንጥፈታትኩም ስለ እተላለኹ: በጃኻ ንዕዮኹም ወፈያ ክገብር ኣፍቕደለይ። ነቲ ምሳሕካ ምሳይ ምክፋልካ አመስግን። ብሓቂ: ብጾትካ ኵሎም ሕያዎት ሰባት ኢዮም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ