ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/11 ገጽ 2-4
  • ኣብ ሞንጎና መላእኽቲ ኣለዉ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሞንጎና መላእኽቲ ኣለዉ ድዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሓላዊ መልኣኽ ኣሎካዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/11 ገጽ 2-4

ኣብ ሞንጎና መላእኽቲ ኣለዉ ድዮም፧

እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኢዩ ነይሩ። መሪሊን: ብሓሳብ ተዋሒጣ: ኣብ ከባቢኣ እንታይ ከም ዘሎ ከይተገንዘበት: ናብቲ መስመር መገዲ ባቡር ገጻ ዘወን በለት። ብሃንደበት ድማ ብርቱዕ ድምጺ ሰምዐት። ቅንዕ በለት: ኣብ ማእከል መገዲ ናይታ ትመጸእ ዘላ ባቡር ምህላዋ ድማ ተገንዘበት! መሪሊን ብፍርሂ መኺኻ ማይ ኰነት። እታ ባቡር ኣዝያ ስለ ዝቐረበት ከኣ: ነቲ ሰማያዊ ኣዒንቲ ዝነበሮ ኣብ ገጹ ኸኣ ስንባድ ዝርአ ዝነበረ መራሒ ናይታ ባቡር ክትርእዮ ከኣለት። መሪሊን ቀጺሉ እንታይ ከም እተፈጸመ ፈጺማ ኣይትርስዖን ኢያ። “ሓደ ገዚፍ ኣካል ብድሕረይ ከም ዝደፋኣኒ ድማ ካብቲ መስመር ነጢረ ናብቲ ኣብ ስግሩ ዝነበረ ፈሓም ወደቕኩ” ትብል። መሪሊን ምስቲ ዝነበራ ንእሽቶ ስንብራት: ነቲ ዘድሓና ከተመስግን ተንሰአት​—⁠እንተዀነ ግን: ክትርእዮ እትኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን! እንታይ ኢላ ኢያኸ ዝደምደመት⁠፧ መሪሊን “ካልእ እሞ መን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል⁠፧ እቲ ሓላዊየይ መልኣኽ ንህይወተይ ኣድሒንዋ” ትብል።

እ ዛ ተጣራጣሪት ዓለም ብሃንደበት ብመላእኽቲ እተዋሕጠት ኢያ እትመስል ዘላ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት: ሰማያውያን ኣካላት ኣብ ናይ ተለቪዥን ምርኢታት: ፊልምታት: ከምኡውን ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። ብዛዕባ መላእኽቲ ዝገልጹ መጻሕፍቲ ካብቶም ዝለዓለ መሸጣ ናይ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ዝርዝር: ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ኣለዉ። ናይ መላእኽቲ ክለባት: ሰሚናራት: ከምኡውን ደብዳበታት ኣለዉ። ከምቲ ሓንቲ ዓንቀጽ ኢላቶ ዘላ​—⁠ነቲ “ናይ ውሽጥኻ መልኣኽ” ክትጥቀመሉ ምእንቲ ክሕግዘካ ዓውደ⁠-መጽናዕቲ ተዳልዩ ኣሎ።

ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ መላእኽቲ ምንቅስቓስ ብዝምችእ ኣገባብ ዝምዝምዝዎ ዘለዉ: መወዳእታ ዘይብሉ ዋሕዚ ናይ ሃለኽቲ ኣቑሑት ብምድፍፋእ ኣጋጣሚ ዝጽበዩ ነጋዶ ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘላ ዋና ድኳን “መላእኽቲ ዘለውዎ ዝዀነ ኣቕሓ: ጽቡቕ መኽሰብ ኢዩ ዘምጽእ” ትብል። ኣብ ርእሲ እቲ ዋሕዚ መጻሕፍቲ “ናይ መልኣኽ ሓወልትታት: ብመርፍእ ዝስኳዕ ስልማታት: ባምቡላታት: ማልያታት: ፖስተራትን ናይ ሰላምታ ካርድታትን” ትዝርዝር​—⁠ኵሎም ብጥቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ከምቲ ሓደ ጋዜጠኛ “ሰማያዊ መኽሰባት” ኢሉ ዝጸወዖም ኢዮም።

እንተዀነ ግን: እቶም ናይ መልኣኽ ተጣበቕቲ: እዚ ዘበን ኣምጽኦ ኣይኰ⁠ነን ብምባል ኣትሪሮም ኢዮም ዝዛረቡ። ነቲ ዝብልዎ ንምድጋፍ: ኣብ “ናይ ሓቂ ህይወት” ዘጋጠሙ ብዛዕባ ምስ መላእኽቲ ምርኻብ ዝገልጹ መርትዖታት ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ የቕርቡ ኢዮም። ገለ ሰባት መልክዕ ሰብ ዘለዎ መልኣኽ ከም ዝረኣዩ ይዛረቡ። ካልኦት ድማ ብርሃን ዝረኣዩ: ደሃይ ዝሰምዑ: ህላዌ ናይ መልኣኽ እተሰምዖም: ወይ በቲ ንሶም ዝኣምንሉ ናይ መልኣኽ ድራኸ እተሰምዖም ኣለዉ። ከም መሪሊን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ሓደ መልኣኽ ህይወቶም ከም ዘድሓና ይዛረቡ።

እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ⁠፧ እታ ብዛዕባ “ልዕለ⁠-ባህርያዊ” ተራኽቦታት ዝገልጽ ክልተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት ጆኣን ወስተር ኣንደርሰን “ከም ዝመስለኒ መንፈሳዊ ምብርባር ኣሎ” ትብል። ኣልማ ዳንኤል: ካልእ መጽሓፍ ክጽሓፍ ዝሓገዘት ድማ ሓደ ስጕምቲ ትውስኽ። ንሳ: መልኣኽቲ “ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ክብጽሑ ገዛእ ርእሶም ክገልጹ ተኣዚዞም ኢዮም ዘለዉ። ብዛዕብኦም ብዙሕ እንርኢ ዘሎና ድማ ከምኡ ክኸውን ስለ ዝደለይዎ ኢዩ። ንሳቶም ኢዮም ዝገብርዎ ዘለዉ” ትብል።

እዚ ግን ሓቂ ድዩ⁠፧ ወይስ ብድሕሪ እዚ ሕጂ ዘሎ ብመላእኽቲ ምምሳጥ: ገለ ነገር ኣሎ ኢዩ⁠፧ ነቲ መልሲ ንምርካብ: ቃል ኣምላኽ ምምርማር ከድልየና ኢዩ። ከምቲ ክንርእዮ ዘሎና: መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ዝምልከት ሓቂ ሒዙ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pages 3 and 4: The New Testament: A Pictorial archive from Nineteenth-Century Sources, by Don Rice/Dover Publications, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ