ንፍቕሪ ኢሎም ኢዮም ገይሮምዎ
ሓንቲ ኣብ ካናዳ እትርከብ እምንትን ተቐባሊት ጋሻን መበለት ንኣርባዕተ መንእሰያት ኣዋልድ ከም ሓቀኛታት ክርስትያን ገይራ ተዕብየን ነበረት። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት ገዝኣ ሰፊሕ ጽገና ከም ዘድልዮ ኣስተብሃሉ። ነቲ ስራሕ ባዕላ ክትገብሮ ገንዘብ ይኹን ክእለት ኣይነበራን። ስለዚ ምስቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:9, 10 ተሰሪዑ ዘሎ መምርሒ ብምስምማዕ: እቶም ሽማግለታት እቲ ስራሕ ክግበረላ ብጥበብ መደቡ። ብኸመይ፧
እታ መበለትን ደቃን ንሓሙሽተ መዓልትታት ካብቲ ገዛ ክገሻ መደብ ተገብረ። መሳርሒታት: ገንዘብ: ከምኡውን ግዜ ብምሃብ: ልዕሊ 80 ዝዀኑ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ልባዊ ሓገዝ ሃቡ። እታ ስድራ ድሕሪ ምኻዳ ሒደት ደቓይቕ ጸኒሑ: ህርኩታት ሰራሕተኛታት ልክዕ ከም ንህቢ ኣብ ልዕሊ እታ ገዛ ዓሰሉ። ብምሉኡ እቲ ናይታ ገዛ ግዳማዊ ሸነኽ ተጸገነ። መናድቕ ተዓረየን ተለቕለቐን። ምድሪ ቤት ተፋሕፊሑ ለመጸን እንደገና ጸፈፈን። ሓድሽ ናይ ምድሪ ቤት ማቶኔላን ምንጻፍን ተገብረሉ። ኵሉ ዘድሊ ናይ ኤሌክትሪክን መብራህትን ቀዋሚ መሳሪሕታት ተዘርግሐ። ዝኣረገ ኣቑሑ እውን ከይተረፈ ተቐየረ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልትታት ጥራይ ምሉእ ምሕዳስ ተገብረ!
እቲ ናይ ሓጐስ ሃዋሁን ንጥፈትን ኣብቲ ከባቢ ብሓቂ መዛረቢ ኰነ። ሓደ 80 ዓመት ዝዕደሜኡ ጐረቤት ብጻዕሪ ናይቶም መሰኻኽር ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ መልከይኡ ኣምጸአ: ግድን ክሕግዝ ኢየ ድማ በለ። ናይ ሓደ ካብቶም ወለንተኛታት ኣስራሒ ኸኣ ነቲ ናይ ክሽነ እቶን ሓደ መውጽእ ትኪ ኣበርከተ። ካልእ ኣስራሒ ድማ ሓድሽ ናይ ክሽነ ከብሒ ወፈየ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ክፈልጥ ደለየ። ነታ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከኣ ብምህንጣይ ተቐበላ።
እታ መበለትን ኣዋልዳን ምስ ተመልሳ ኣብ ገጸን ምሉእ ምግራም ተራእየ። ብዙሕ ንብዓትን ሰሓቕን ምትሕቝቛፍን—ክርስትያናዊ ፍቕርን ስምዒትን እተራእየሉ ዘይርሳዕ እዋን—ነበረ። ጳውሎስ “እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ ስለ ዝጸሓፈ: ብርግጽ: ነቶም ዘድልዮም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ናይ ሓቂ ፍቕርን ተገዳስነትን ምርኣይ ናይ ሓቀኛ ክርስትና መለለዪ ኢዩ።—ገላትያ 6:10