ካብ ኣዕዋፍን ዕንባባታትን ዝርከብ ትምህርቲ
ሎሚ ንሰባት ልዕሊ ዅሉ ዘገድሶም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ንብዙሓት: ንስድራቤቶም እዅል ዝዀነ ነገራት ክህልዎም ወይ ድማ ኵነታት ናብራኦም ንከመሓይሹ ክኽእሉ ኢዩ።
የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ እውን: እቲ ምትእኽኻል ዝብል ንብዙሓት እቲ ቀንዲ ዘገድሶም ነገር ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና: እዚ ቅቡል ዝዀነ ምግዳስ እዚ ዝዕብልል ጭንቀት ኰይኑ: ንመንፈሳዊ ነገራት ከይሽፍኖ ኣጠንቂቑ ኢዩ። ነዚ ሓሳባት እዚ ንምብራህ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣዕዋፍን ዕንባባታትን ኣጸቢቖም ክዕዘቡ ነገሮም።
ኣዕዋፍ መዓልቲ መዓልቲ ክበልዓ ኣለወን—ብምኽንያት እቲ ዘለወን ልዑል ናይ ምሕቓቕ ፍጥነት ድማ ብተመጣጣኒ ካብቲ ንሕና እንበልዖ ንላዕሊ ኢየን ዝበልዓ። ምስ እዚ ዅሉ ድማ ዘርኢ ኣይዘርኣ: ኣይዓጽዳ: ወይ ንዝመጽእ ግዜ ኣብ ማዕከን ክእክባ ኣይክእላን ኢየን። ጌና ግን: ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ናይ ሰማይ ኣቦና ኢዩ ዝምግበን።’ (ማቴዎስ 6:26) ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ን“ሳዕሪ መሮር” በቲ ዝጸበቐ ክዳን ይኸድኖም ኢዩ።—ማቴዎስ 6:28-30
የሱስ: ንስጋዊ ነገራት ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ብምሓዝ ንመንፈሳዊ ነገራት ምስ እነቐድም: ኣምላኽ ድማ እቲ ዘድልየና መግብን ክዳንን ከም ዝቕርበልና ኣረጋጊጹልና ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ነዕዋፍን ዕንባባታትን ዝሓልየሎም ካብ ኰነ: ነቶም ዘፍቅርዎን ‘ቅድም ድማ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደልዩ’ ብርግጽ ይሓልየሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) ኣብ ናብራኻ ኣድላይነት መንግስቲ ኣምላኽዶ ተቐድም ኣሎኻ፧