ንንጹሃት ግዳያት ዝኸውን ራህዋ
ጽምብላዊ ናይ ቈልዑ መስዋእቲ—ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘስገድግድ ብሰብ ካብ እተፈጸመ ገበናት ኢዩ። ገሊኦም ከምዚ ዝበለ ፍንፉን ተግባር ክፍጸም ይከኣል ኢዩ ኢሎም ኣይኣምኑን ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ሕላገት ኣምልኾ ፊንቄያውያን ብብዙሕ ናይ ስነ-ጥንቲ ርካባት ተረጋጊጹ ኢዩ።
ካብ ልዑላን ስድራቤታት እተወልዱ ቈልዑ ንኸም ታኒትን በዓል–ሃሞንን ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ኣብ ሓዊ ይስውኡ ነበሩ። ኣብ ካርተጅ: ናእሽቱ ግዳያት ነቲ ናይ ክሮነስ ሓወልቲ ነሃስ ንመስዋእቲ ይነዱ ነበሩ። ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ ጸሓፍ ታሪኽ: ዲዮዶራስ ሲኩሉስ: እቶም ኣዝማድ ናይቲ ቍልዓ ክበኽዩ ኣይፍቀደሎምን ነበረ ይብል። ምናልባት ናይ ሓዘን ንብዓት ንዋጋ ናይቲ መስዋእቲ የጕድሎ ይኸውን ኢልካ ኢዩ ዝእመን ነይሩ።
ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ኣብ ጥንታዊ ቶፌት ንገለ እዋን ተመሳሳሊ ጽምብል ይግበር ነይሩ ኢዩ። ናብ ከብዲ እቶን ሞሌኽ ክድርበ ከሎ ናይቲ ቈልዓ ብኽያት ምእንቲ ከይስማዕ ኣብኡ ዝርከቡ ኣምለኽቲ ይስዕስዑን ከበሮ ይሃርሙን ነበሩ።—ኤርምያስ 7:31
የሆዋ በቶም ንስቓይ ናይ ካልኦት ከይሰምዑ ብጭከና ኣእዛኖም ዝዓጽዉ ኣዝዩ ይቝጣዕ ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 21:13 ኣነጻጽሮ።) ከም ንቘልዑ ድንጋጽ ዘርኢ ኣምላኽ መጠን: የሆዋ ነዞም ንጹሃት ግዳያት ብርግጽ ኣብ ‘ትንሳኤ ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ክዝክሮም ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ዘጸኣት 22:22-24