ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/8 ገጽ 30
  • ምትሕልላፋት ደም ዳግመ-ግምት ተገብረሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምትሕልላፋት ደም ዳግመ-ግምት ተገብረሉ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/8 ገጽ 30

ምትሕልላፋት ደም ዳግመ-ግምት ተገብረሉ

ኣብዚ ጽልሙት ናይ ኤይድስ መዋእል እዚ: እቲ ንናይ ሆስፒታል ሕሙማት ጥዕና ዝዓበየ ፍርሒ ኰይኑ ዘሎ: ኣብቲ ክፍሊ መጥባሕቲ ሓደጋ ከይወርዶም ኢዩ። ዶክተር ሪቻርድ ስፐንስ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ኣብ ኒው ጀርሲ ካምደን ዘሎ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ዝገብር ማእከል ናይ ኮፐር ሆስፒታል ሕክምናዊ ማእከል ዘካየደ “ነቲ ዝቐርብ ደም ምሉእ ብምሉእ ከነምክኖ እንኽእለሉ መገዲ ፈጺሙ የለን” ይብል።

እቲ ማእከል ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ደም ምትሕልላፍ ብምእባይ ፍሉጣት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ዝሕክም ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። (ዘሌዋውያን 17:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:​28, 29) ይኹን እምበር: ብዙሓት መሰኻኽር ዘይኰኑ ነቲ ደም ምትሕልላፍ ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋታት: ተመሓላላፊ ዝዀነ ሕማም ጸላም ከብዲ: ኤይድስ: ከምኡውን ካልእ ሕማማት ተረዲኦም ኣብቲ ማእከል ክሕከሙ ይመጹ ኣለዉ። እቲ ኮርይር-ፖስት ዊክሊ ሪፖርት ኦን ሳይንስ ኤንድ መድስን “እቲ ምቕልቃል ናይ ኤይድስ ኣድላይነት ምምርማር ደም ኣርእዩ ኢዩ” ኢሉ ይገልጽ። “እንተዀነ ግና: ኣብ ሓድሓደ ኵነታት ኣብቲ ናይ ምምርማር መስርሕ ከይተራእየ ክሓልፍ ይኽእል ኢዩ: ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ቅድሚ እቲ ቫይረስ ክምርመር ምኽኣሉ እተለኽፈ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”

ብምኽንያት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት: እቲ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ዝገብር ማእከል: ካልእ ንደም ምትሕልላፍ ዝትክኡ ነቲ ናይቲ ሕሙም ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ኣውጽኢኻ እንደገና ምእታው እውን ዘጠቓልል​—⁠ገለ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ገለ ገለ ኵነታት ዘይቃወምዎ ኣገባብ​—⁠ኢዩ ዝጥቀም።a ካልእ ኣገባብ ሕክምና ድማ ነቲ ናይቲ ሕሙም ደም ናይ ምፍራይ ክእለት ከበራትዕ ዝኽእል መድሃኒት ምውሳድ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ነቲ ናይ ኦክስጅን ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ዘበራትዕ እተቓመመ ናይ ደም መተካእታ ብዘይ ምትሕልላፍ ደም ይግበር ኢዩ። ዶክተር ስፐንስ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ጥንቃቐ ይደልዩ: እንተዀነ ግና: ንምትሕልላፍ ደም ኣማራጺ ዝኸውን ኢዮም ዝደልዩ” ይብል።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ካብቶም ንሃይማኖታዊ እምነቶም ዘኽብሩሎም ዶክተራት ዝረኽብዎ ሓገዝ ኣመስገንቲ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብርግጽ “እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ጥንቃቐ” ኢዮም ዝረኽቡ: ከምኡውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ክሕዙ ክኢሎም ኢዮም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሰፊሕ ሓሳባት ናይዚ ኣገባብ እዚ ከምኡውን ብሕታዊ ናይ ሕልና ውሳኔ ክትገብር ከሎኻ ክፍለጡ ዘለዎም ረቛሒታት እንተደኣ ደሊኻ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ