ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/7 ገጽ 32
  • እቲ መስትያት እንታይ ኢዩ ዘርኢ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ መስትያት እንታይ ኢዩ ዘርኢ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/7 ገጽ 32

እቲ መስትያት እንታይ ኢዩ ዘርኢ?

ኣብ መስትያት ተመልከት። እንታይ ኢኻ እትርኢ? ሓድሓደ ግዜ: ኣብ መስትያት ቝሊሕ ምባል: ካልኦት ከየስተብሃልሉ ከለዉ ክትእርሞ እትደሊ ዘሕፍር ጕድለት ናይ ኣቃውማኻ ኢዩ ዘርእየካ።

መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም መስትያት ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዘሎና ክብሪ ካብ መጠን ንላዕሊ ወይ ካብ መጠን ንታሕቲ ከይንሓሰብ ብምክልኻል: ብዛዕባ ርእስና ቅኑዕ ኣረኣእያ ክህልወና ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:​29-31፣ ሮሜ 12:⁠3) ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ክንእርሞ ዘድልየና ኣብ ቃላትና: ተግባራትና: ወይ ኣረኣእያና ዘሎ ጕድለት ከርእየና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምስ ኣጋጠመካስ: ነቲ መስትያት ዘርኣየካ ነገር ዕሽሽ ክትብሎ ዲኻ?

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ያእቆብ “ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ: ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ: ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ” ይብል።​—⁠ያእቆብ 1:​23, 24

ብኣንጻሩ ኸኣ ያእቆብ: ብዛዕባ ሓደ ካልእ “ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን” ሰብኣይ ይገልጽ። (ያእቆብ 1:25) እታ “ኣጸቢቑ ዚጥምት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ድንን ምባል ወይ ድማ ክትርኢ ኢልካ ንቕድሚት ጕብጥ ምባል ማለት ኢያ። እቲ ቲዎሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት “እቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ካብ ቍሊሕ ምባል ንላዕሊ ኢዩ” ይብል። እታ ቓል ንእተሓብአ ነገር ዝግበር ጥንቁቕ ምድላይ ኢያ እተመልክት። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ ኣር. ቪ. ጂ. ታስከር “ሽሕ’ኳ ክርእዮን ነቲ ትርጕሙ ድማ ክርድኦን ዘሸግሮ እንተዀነ: እቲ ተዓዛቢ ክርእዮ ዝብህጎ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ” ብምባል ይጽሕፍ።

ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ በቲ መስትያት ናይ ቃል ኣምላኽ ገይርካ ኣድቂቕካ ክትምርምራን ምስቲ ንሱ ዝደልዮ ከኣ ክትሰማማዕን ዲኻ? ያእቆብ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”​—⁠ያእቆብ 1:⁠25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ