ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/6 ገጽ 32
  • ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ዓለም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/6 ገጽ 32

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ዓለም

እቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣውያን ጽምዲ ኣንጻር ኣምላኽ ምስ ዓለዉ: የሆዋ ንዕኦምን ንዘርኦምን ሓደገኛ ሳዕቤናት ከም ዘጋጥም ነጊሩ ኢዩ። የሆዋ ንሄዋን “ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:16) መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚቚ ክብሪ ክወሃበን ከም ዘለዎ ኢዩ ዘተባብዕ: ሚልዮናት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓት ንሳተንን ስድራቤተንን ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓለኦ ሕጒስን ዝያዳ ዘዕግብን ናብራ የስተማቕራ ኣለዋ።

ይኹን እምበር: ብመሰረት ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻብ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሕሱራትን ጭቁናትን ከምኡውን እተዋረዳን ኢየን። እቲ ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪቡን ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ብጽፉፍ ዝዀነ ዝርዝር: እቲ ጸብጻብ ናይ 193 ሃገራት . . . ዘሕዝን ኵነታት ናይተን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣድልዎን ማህሰይትን ዝወርደን ደቂ ኣንስተዮ ኢዩ ዝገልጽ።”

ሒደት ኣብነታት:- ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ: ዝበዝሕ እቲ ከቢድ ናይ ሕርሻ ዕዮ ኣዋልድ ክገብርኦ ኣለወን: ከምኡውን ሓደ ሲሶ ናይቶም ኣወዳት ጥራይ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይካፈላ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቅሰ ቦታ: ዝሙት ንደቂ ኣንስትዮ ዘይሕጋዊ ኢዩ: ንደቂ ተባዕትዮ ግና ሕጋዊ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ካልእ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ድማ: እቲ ሰብኣይ ዝሙት ክትፍጽም ዝረኸባ ሰበይቱ ምስ ዝቐትል በቲ ሕጊ ምሕረት ይግበረሉ: ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ሰብኣያ ዝቐተለት ሰበይቲ ግና በቲ ሕጊ ምሕረት ኣይግበረላን።

እቲ ጸብጻብ: ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ደቡብ ኣመሪካ ፖሊስ ነተን እተቐጥቀጣ ደቂ ኣንስትዮ ሩህሩሃት ኣይኰኑን ይብል። ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዝበዝሕ ግዜ በቲ ካብ 30 ክሳዕ 40 ካብ ሚእቲ ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሕድ ደሞዝ ክነብራ ኣለወን።

ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ኤስያ ድማ: ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ናይቲ ኣገ​ዲድካ ዝግበር ምምካንን ጥንሲ ምን​ጻልን ኢየን። ኣብ ሓንቲ ሃገር 500,​000 ዝዀና ኣመናዝር ኣለዋ: ዝበዝሓ ካብኣተን ድማ በቶም ንገዛእ ርእሶም ዝኸውን ሓድሽ ገዛ መግዝኢ ገንዘብ ዝደልዩ ወለዲ እተሸጣ ኢየን። ኣብ ካልእ ሃገር ድማ ፖሊስ ነቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ “ገዝሚ ዘስዕቦ ሞት”​—⁠ገዝማ ከምቲ እተጸበይዎ ስለ ዘይኰነ ብሰብኣያ ወይ ብስድራቤቱ እትቅተል ሰበይቲ⁠—⁠ክቘ​ጻጸርዎ ኣለዎም።

ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ የረጋግጸልና:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።” (መዝሙር 72:​12-14) ስለዚ: ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝህሉ እተመሓየሸ ኵነታት ክጽበያ ተስፋ ክንገብር ምኽንያት ኣሎና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ