ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/3 ገጽ 3-4
  • ንጸሎትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ምኸኣልካ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጸሎትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ምኸኣልካ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/3 ገጽ 3-4

ንጸሎትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ምኸኣልካ?

ጸሎት ካብ መንጎ እቲ ፈቃር ምድላዋት ናይ የሆዋ ኣምላኽ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ተጻረርቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ክግብትዎ ወይ ምስ ኣመንቲ ብጾት ካብ ምእካብ ክኽልክሉኻ ይኽእሉ ይኾኑ: ይኹን እምበር: ካብ ጸሎት ክኽልክለካ ዝኽእል ዋላ ሓደ እኳ የልቦን። ጸሎት: ሓለፍ ዝበለ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ። እምበኣር ነፍሲ ወከፍና: ነዚ መሰል እዚ ኣኽቢርና ክንሕዞን ብምሉእ ክንጥቀመሉንሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ። ጸሎትካ ንኸተመሓይሽ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል?

መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ጸሎት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ናይ ወድሰብ ዝለዓለ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ጽሑፋት እብራይስጢ ንበይኑ ጥራይ ልዕሊ 150 ጸሎት ሒዙ ኣሎ። ገለ ሓጸርቲ ገለ ድማ ነዋሕቲ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወይ ኣብ ብሕቲ: ብነገስታት ወይ ብምሩኻት: ኣብ ግዜ ዓወት ወይ ኣብ ግዜ ጸበባ እተጸለዩ ኢዮም ነይሮም። ከምቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 65:​2 ዝዘመሮ “ኵሉ ስጋ” ናብ የሆዋ: ናብቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ይመጽእ። ኣምላኽ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ እተፈላላየ ጸሎት ክምዝግቡ ዝደረኾምሲ ስለምንታይ ኰን ኢዩ?

ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላሽ: 2 ጢሞቴዎስ 3:​16 ንርአ። ከምዚ ትብል:- “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም ኢዩ።” ስለዚ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸሎት ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትንቢታት: መምርሒታት: ከምኡውን ታሪኽ: ንክመርሓና ኢዩ ተጻሒፉ። እዚ ጸሎት እዚ ከመይ ገይሩ ክጠቕመና ይኽእል?

ንቅዱስ ጽሑፋዊ ጸሎት ብምምርማር: ነቶም ምስቲ ናትና ኣብ ዝመሳሰል ኵነታት እተዘርቡ ከነለልዮም ንኽእል ኢና። ጸሎት ኣብ ዕላማን ኣገባብን ከመይ ኢሉ ከም ዝፈላለ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ ውዳሴን ምስጋናን ሓድሽ መግለጺታት: ከምኡውን ንልመናናን ምህለላናን ዝኸውን ውዕዉዕ ቃላት ክንረክብ ኢና። ብሓጺሩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት: ናይ ገዛእ ርእስና ጸሎት ንኸነመሓይሽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

እታ ኣደ የሱስ ዝኾነት ማርያም: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ: ኣብ ጸሎት ዝዝውተር ዝነበረ መግለጺታት ከም እተጠቕመት ግሁድ ኢዩ። ነፍሲ ወከፈን ብመለኮታዊ ደገፍ ወዲ ምስ ጠነሳ: ማርያም ንኤልሳቤጥ በጽሓታ። ማርያም ንኣምላኽ ውዳሴን ምስጋናን ኣቕረበት: ገለ ካብቲ ቃላታ ድማ ምስቲ ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ትሕዝቶ ናይ ጸሎት ብግሁድ ዝመሳሰል ኢዩ። ማርያም ምስቲ ብሃና: ኣደ ነብዪ ሳሙኤል: እተዘርበ ጸሎት ሌላ ከም ዘለዋ ኢዩ ዝመስል። ልዕሊ 1,000 ዓመታት ኣቐዲሙ: ሃና እውን እንተኾነ ብሓገዝ ኣምላኽ ወዲ ጠኒሳ ነበረት። ማርያም ንስምዒታ ዘንጸባርቕ ስለ ዝነበረስ ነዚ ጸሎት እዚ ኣስተንቲናትሉ ኢያ ክበሃልዶ ይከኣል?​—⁠1 ሳሙኤል 2:​1–10፣ ሉቃስ 1:​46–55

ንስኻኸ? ኣብ ትሕቲ ምስ ናትካ ዝመሳሰል ኵነታት እተዘርበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ክትዝክርዶ ምኸኣልካ? ከምዚ ዝበለ ጸሎት ምርካብ: ምንባብ: ከምኡውን ብዛዕብኡ ምስትንታን: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ንኸተመሓይሽ ኪሕግዘካ ኢዩ? ኣብዚ ዝቕጽል ዓንቀጽ: ሰለስተ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዉ ጸሎት ክትምርምር ንዕድመካ ኣሎና። ምናልባት ምስቲ ናትካ ክሰማማዕ ዝኽእል: ኣብ ትሕቲ እተፈላላየ ኵነታት ዝቐረቡ ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ