ንእሽተይ እኳ እንተኾነ ብርቱዕ
ሮበርት ወዲ ካናዳ ዝኾነ መንእሰይ ሰብኣይ: ኣብ ህይወት ዘለዎ ዕላማ ንምፍላጥ ኣብ ኤውሮጳ ኮለል በለ። ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ዘቕብጾ ብዙሕ ነገራት ርእዩ ኢዩ።
ሮበርት ኣብ ስፐይን: ኣብ ሰቪል እትብሃል ቦታ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ ትራክት ይቕበል። መጀመርታ ተጣራጢሩ ነይሩ። “ይኹን እምበር ኣንቢበያ” ይብል። “ክገልጾ ኣይክእልን ግን ትርጕም ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ጕዕዞይ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ሰባት ምድቋስን ምውዳቕን ርእየ እየ: ነቲ ነገራት ክልውጦ ዘይምኽኣለይ ከኣ የጨንቐኒ ነይሩ። ነታ ትራክት ድሕሪ ምንባበይ ‘እዛ “ሓዳስ ዓለም” ክትህሉስ ትኽእልዶ ትኸውን’ ብምባል ተገሪመ። ደሓር ግን ‘ክትህሉ ትኽእል ትኸውን ኢያ’ ኢለ ሓሰብኩ።”
ዝተሓደሰ ተስፋ ሒዙ ከኣ ሮበርት ኣብ ቦትኡ ምስ ተመልሰ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርዳእ ዝበጽሖ ሰብ ክመጾ ብምሕታት: ኣብ ካናዳ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸሓፈ።
ብዘይጥርጥር: ዝዝረብ ቃል ብርቱዕ ኢዩ። ይኹን እምበር ዝተጻሕፈ መልእኽትውን ሸለል ዝብሃል ኣይኮነን። ክሳዕ ክንደይ ንኣሽቱ ይኹኑ በዘየገድስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋት ኣጸቢቖም ኢዮም ዝማርኹ። ኣእምሮን ልብን ይትንክፉ ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ርግጽ ዝኾነ ተስፋ ይህቡ።—እብራውያን 4:12