ንእምነት ዝድግፉ ርእይቶታት
ኣብ ምውዳእ ናይዚ ዝሓለፈ ዘበን: ንሳይንስ: ንፍልስፍናን ዓለማዊነትን ዝድግፉ ርእይቶታት ኣብ ልዕሊ እምነት ንኣምላኽን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ድርኺትን ጉድኣት ኣውሪዶም ኢዮም።
ክስምዑ ዝኽእሉ ርእይቶታት ግን ንሳቶም ጥራይ ኣይነበሩን። ብዙሓት ተመራመርቲ ካብ ኢዘሀርነት ንላዕሊ ብዛዕባ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዝድግፍ ብዙሕ ክበሃል ከም ዝከኣል ኣረጋጊጾም ኢዮም። መጽናዕትታቶም: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ: ብዙሕ መርትዖታት ሂቡ ኢዩ።
ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ወሃብ ርእይቶ ሲ. ቲ. ራስል ኢዩ። ሚልዮናት ነታ ናይ 1886 “ዘ ዲቫይን ፕላን ኦፍ ዘ ኤጅስ” እትበሃል ጥራዙ ኣንቢቦምዋ ኢዮም። ኣብኣ ዝነበረት ዝሓየለት ምዕራፍ “ህላዌ ናይ ሓደ ዝለዓለ መስተውዓሊ ፈጣሪ ተረጋጊጹ” እትብል ነበረት።
ራስል ኣብቲ ዝስዓበ ዓሰርተታት ዓመታት: ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ንኽትኣምን ሓያል ምኽንያታት ዝህቡ ዓንቀጻት: ትራክትታት: ከምኡውን መጽሓፍቲ ደሪሱ ኢዩ። እዚኣቶም ድማ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትሙ ኢዮም። እቲ ናታ ካልኣይ ፕረዚደንት: ጀይ ኤፍ ራዘርፎርድ: ነቲ ንእምነት ዝድግፍ ርእይቶ ዘጉልሕ ክሬኤሽን (1927) ዝብልን ካልእን ጸሓፈ።
እታ ማሕበር ኣብዚ ቀረባ እዋን: ብዛዕባ እዚ ጉዳያት’ዚ ዘመናዊ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣዳልያ ኢያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብምስትውዓል ንኽትሓስበሉ እዚ ሓበሬታ’ዚ ክህቡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትቅበል ወይ ሓደ ሰብ ምሳኻ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እንተድኣ ደሊኻ: በጃኻ ካብቲ ኣብ ገጽ 2 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝጥዕመካ ጽሓፍ።