ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/12 ገጽ 19
  • ‘ግብሩ ይስዕቦ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ግብሩ ይስዕቦ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/12 ገጽ 19

‘ግብሩ ይስዕቦ’

ጆርጅ ዲ ጋንገስ: 28 ሓምለ 1994 ሓሙስ መዓልቲ ሰዓት 8:50 ቅድሚ ቀትሪ ምድራዊ ጉዕዞኡ ወድአ። ዕድሚኡ 98 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ቅቡኣት ዝኾነ ጆርጅ ጋንገስ ካብ 15 ጥቅምቲ 1971 ኣትሒዙ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኸር ኢዩ ነይሩ።

ኩሎም እቶም ብብሕቲ ምስ ሓው ጋንገስ ምቅርራበ ዝነበሮም: ንጽድቂ ዝነበሮ ፍቕርን ንእከይ ድማ ዝነበሮ ጽልእን ይፈልጡ ኢዮም። ነቲ ንሱ ብተደጋጋሚ: ንሰይጣን ከም ብዕሉግ: ኣሰንባዲ: እኩይ: ነውራምን ጽሉእ ሓሳውን እናበለ ዝገልጾ ዝነበረ ጽቡቕ ገይሮም ይዝክርዎ ኢዮም። ብኣንጻሩ ድማ ንየሆዋ ከም ፈቃር: ሕያዋይ: ደንጋጺ: ለዋህ: ከምኡውን ሓላዪ ኣቦ ገይሩ ይዛረበሉ ነበረ። ብዙሓት ድማ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ንምሕታት ዝነበሮ ፍቕሪ ይዝክርዎ ኢዮም። ኣብ ዝኾነ ዕላል: ገለ ቀለልቲ ገለ ኸኣ ንኣእምሮ ዘስፍሑ ሕቶታት ካብ ምሕታት ኣቋሪጹ አይፈልጥን ኢዩ። ብርግጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘፍቅር ኢዩ ነይሩ።

ሓው ጋንገስ ብ15 ሓምለ 1921 ኢዩ ተጠሚቑ። መጋቢት 1928 ኸኣ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ናይ ስብከት ኣገልግሎት ዕዮኡ (ዕዮ ፖይነር) ጀመሮ። ስለዚ: ካብዚ ግዜ’ዚ ኣትሒዙ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብድምር 66 ዓመት ገይሩ። ብ31 ጥቅምቲ 1928 ከኣ ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኣባል ኮነ።

ዛንታ ህይወቱ: ኣብታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1966 ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ወጺኡ ነይሩ። እታ ሕታም: ንሓደ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢያ እትገልጽ። ንሱ ኣብታ ዓንቀጽ: እዚ ዝስዕብ ልቢ ዘምውቕ መግለጺ ሃበ:- “ኣነ ህይወት አፍቅር ኢየ: ኣሕዋተይ ህይወት ኪረኽቡ ኸኣ እደሊ ኢየ። ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስምማዕ: ኵሉ ካልእ ነገር ‘ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ኢለ ከም ወጽዓ ኢየ ዝቖጽሮ’”።​—⁠ፊልጲ 3:⁠8

ሓው ጋንገስ ብሓቂ ህይወት ከም ዘፍቅር ብተግባራቱ ኣርእዩ ኢዩ: ነቲ ዝነበሮ “ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ድማ ብህንጥዮት ንኻልኦት ኣካፊልዎም ኢዩ። ክናፈቕ ኢዩ: ግን ሕጂ እቲ ሰማያዊ ዓስቡ ስለ ዝረኸበስ ክሳዕ ክንደይ ኮን ኢና እንሕጐስ! ሕጂ ‘ግብሩ ክስዕቦ እዩ እሞ: ካብ ጻዕሩ ክዓርፍ እዩ።’​—⁠ራእይ 14:⁠13

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ