ንምዉታት ምፍራሕ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ
ጸሓይ ካብ እትዓርብ ሓያለይ ሰዓታት ሓሊፉ ኢዩ። ካብቲ ዝሓሰብካዮ ቍሩብ ድንጕይ ኢልካ ኸኣ ኢኻ ንገዛ ትምለስ ዘሎኻ። ነቲ ናይ ህዝቢ መካነ–መቓብር ጕዝጕዝ ኢልካዮ ክትሓልፍ ከሎኻ ትርግታ ልብኻ ፍጥነት ወሲኹ ክወቅዕ ይጅምር። እቲ ድቕድቕ ለይቲ ኣዝዩ ጸጥ ዝበለ ስለ ዝኾነ ንእሽቶ ነገርውን ትኹን ቀርማሕ ክትብል ከላ ክትሰምዓ ትኽእል ኢኻ። ብሃንደበት ከኣ ካባኻ ርሕቕ ኢሉ ዜፍርሕ ዓው ዝበለ ፋጻ ዝጥዕም ድምጺ ትሰምዕ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ትስጕም: ትርግታኻውን ምስኡ ይቕልጥፍ: ኣብ ገዛኻ ዑቕባ ምእንቲ ክትረክብ ድማ እግረይ ኣውጽእኒ ብምባል ጠኒንካ ትኸይድ።
ኣብ መካነ–መቓብር ወይ ከኣ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝነበርካሉ ከምዚ ዝበለ ዘጨንቕ ስምዒት ኣሕሊፍካዶ ትፈልጥ? እዚ ነገር እዚ ኣጋጢሙካ እንተደኣ ኾይኑ በቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም ልሙድ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ተጸሊኻ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ መናፍስቲ ምዉታትሲ ነቶም ህያዋን ክረድእዎም ወይ ክጐድእዎም ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ኢዩ።
እቲ ምዉታት ካብቶም ህያዋን ረድኤት የድልዮም ኢዩ: እንተደኣ ዘይሃዲኦም ግን ነቶም ህያዋን ክጐድእዎም ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት: ብዙሕ ማሪታዊ ልምድታት ከማዕብል ክኢሉ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ገለ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ሃገራት ብዙሓት ኣብታ ሓደ ሰብ ብድንገት ዝሞተላ ስፍራ ሓንቲ ንእሽቶ ኣብ ልዕሊኣ መስቀል ዘላታ ጐጆ ናይ ምህናጽ ልምዲ ኣለዎም። ሰባት ድማ ነቲ መዋቲ ዘለዎም ሓልዮት ንምርኣይ ወይ ነታ ነፍሲ ወይ መንፈሱ ንምርዳእ ብዝብል ዕላማ ሽምዓ ይውልዑ ኣብኡ ድማ ዕንባባታት የንብሩ። ኣብ ገሊኡ እቲ ዘቕረብዎ ጸሎት “ተኣምራታዊ” መልሲ ረኺቡ ዝብል ወረ ምስ ተናፈሰ: ሰባት ናብታ እቲ ዝሞተ ውልቀ–ሰብ ነፍሱ ወይ መንፈሱ እትነብረላ ንእሽቶይ ጐጆ ኣኒሚታ ክውሕዙ ይጅምሩ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ዝሞተ ሰብ ሓደ ነገር እንተደኣ ፈጺሙሎም ወይ ገለ ነገር ከም ተኣምራታዊ ምሕዋይ ዝኣመሰለ ነገር እንተደኣ ተቐቢሎም ምስጋንኦም ፍልይ ብዝበለ መገዲ ገይሮም ከርእዩ ምዃኖም ማንዳስ ወይ ከኣ መብጽዓ ይኣትዉ። ብኻልእ ወገን ከኣ ነፍሲ ናይቲ መዋቲ ብግዜ ጸልማት ለይቲ ነቶም ሰብ ራዕዲ ክፈጥረሎም ከም ዝተቐልቀለ ዝገልጽ ወረ ይስማዕ ኢዩ። እዞም ነፍሳት እዚኣቶም ብምኽንያት እቲ ቀደም እተፈጸመ ነገራት ነቶም ህያዋን ብምዕግርጋር ሕነ ዝፈድዩ ፐናንዶ ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት ነቶም “መናፍስቲ” ምዉታት ንምህዳእ ብርቱዕ ጻዕሪ ኢዮም ዘካይዱ። ማሕለፍያ ዝኾነ በዓላት ይዳሎ: መስዋእቲ ይውፈ: ዘህድእ ቃላት ይዝረብ: እዚ ኹሉ ኸኣ ነቲ ካብቲ ናይቲ ዝሞተ ሰብ መንፈስ ዝመጽእ መቕጻዕቲ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝግበር ኢዩ። ነቲ መንፈስ ከምዚ ገይርካ ምዕጋሱ ነቶም ድሕሪት ተሪፎም ዘለዉ ዓስብን በረኸትን ዘስዕበሎም ኢዩ ተባሂሉ ይሕሰብ።
ሓደ ካብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጸብጻብ “ብዙሓት ሰባት ‘ንቡር ወይ ባህርያዊ’ ኰይኑ ዝመጽእ ፍጻሜ ዋላ ሓደ’ኳ የለን ኢሎም ይኣምኑ” ይብል። ቀጺሉ “ዝኾነ ይኹን ፍጻሜ:- ሕማም: መዓት: ምምካን: ቍጠባዊ ሽግር: ካብ መጠን ንላዕሊ ዝወርድ ዝናብ ወይ ጸሓይ: ሓደጋታት: ናይ ስድራቤት ዘይምሕባር ይኹን ሞት: ጠንቁ እቶም ልዕሊ ናይ ሰብ ሓይሊ ዘለዎም ዘይረኣዩ መናፍስቲ ኢዮም ተባሂሉ ኢዩ ዝሕሰብ።” ካልእ ጸብጻብ ድማ ከምዚ ይብል:- “እቶም ህዝቢ እቶም ናይ ኣቦሓጐታቶም መናፍስቲ ኣብ ሰማይ ቦታ ከም ዘለዎም እሞ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ኣዝማዶም ከኣ ብዘይምቍራጽ ከም ዝሕልውዎም ኢዮም ዝኣምኑ። እቶም ኣቦሓጐታት መልዕልተ–ባህርያዊ ሓይሊ ኣለዎም ተባሂሎም ኢዮም ዝእመኑ: ነዚ ድማ ኣብቲ ኣዝማዶም ነቶም ምዉታት ዝህብዎ ክብሪ ወይ ንዕቀት ዝተመስረተ ኮይኑ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣዝማዶም ንምብራኽ ወይ ንምቕጻዕ ዝጥቀሙሉ ሓይሊ ኢዩ።”
እንተኾነ ግን: እዝስ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ድዩ? ናትካ ርእይቶኸ እንታይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቺለ ዝርከብ “ኣኒሚታ”