ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
“ንድያብሎስ ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ካባኻትኩም ኪሃድም እዩ”
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: ኣብ ኤፌሶን ገለ ግዱሳት ጉጅለ “ጠንቆልቲ” ነቲ ዝነበሮም ናይ ጥንቆላ መጻሕፍቲ ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ብምንዳድ ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኣብ ተግባር ኣውዒሎሞ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) እቲ ዝነደደ መጻሕፍቲ ዋጋኡ ምስ ተጸብጸበ ኸአ 50,000 ሲቓል ብሩር ኮነ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ነቲ ዲናር ዝበሃል ናይ ሮማውያን ሰልዲ ብሩር ዘመልክት እንተድኣ ኮይኑ: ዋጋኡ ብውሑድ 37,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ምበጽሐ ነይሩ።
ሎሚውን ሓደ ግዜ ናይ ጥንቆላ ጽሑፋት ዝነበሮም ድሓር ግን ነቲ እቶም ጥንታውያን ሰብ ኤፌሶን ዘርኣይዎ ቆራጽ ስጉምቲ ዝመሳሳል ዘርእዩ ብዙሓት ኢዮም። እዛ ቐጺላ ዘላ ካብ ካናዳ ዝተረኽበት ተመኵሮ ንመልከታ።
ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ገዛ ናብ ገዛ ክትሰብኽ እንከላ: ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ኳሕኵሐት ኖራ ዝተባህለት ሰበይቲ ማዕጾኣ ከፊታ ስሒባ ናብ ገዝኣ ኣእተወታ። ዋላ እኳ ኖራ ኣብቲ ዝገበረቶ ናይ ብዙሕ ዓመታት መንፈሳዊ ምድላይ: በማእታት ዝቑጸሩ ሃይማኖታውያንን ናይ ጥንቆላ መጻሕፍትን እንተ ኣከበት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንምውታት ዘለዎ ተስፋ እንታይ ከም ዝብል ክትፈልጥ ደለየት። እታ ምስክር ኸኣ ነታ “ነቶም እነፍቅሮም ምዉታት እንታይ ተሰፋ ኣለዎም?” እትብል ንእሽቶ ትራክት ኣበርከተትላ። በዚ ኸኣ ኖራ ዝነበራ ሕቶ ተመለሰላ። ናይ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑን መጽሔታት ክትምዝገብ ኸኣ ፈቓደኛ ኮነት።
ደሓር ግን ናብ ካልእ ቦታ ስለ ዝገዓዘት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርኻብ ኣቋረጸት። ይኹን ድኣ እምበር በቲ ሓድሽ ኣድራሽኣ ብፖስጣ ገይራ ነተን መጽሔታት ብዘይምቁራጽ ተቐበለተን። ብተወሳኺ ኸኣ ኣብቲ መጸሔታት ዝተጠቕሱ: መጻሕፍ ቅዱስ ዝመሰረቶም: ጽሑፋት ክስደደላ ኣዘዘት። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዝኣ መጸታ እሞ እታ ምስክር: ሕቶታት ክትምልስ ከላ ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምልሰላ ነበረት። ኖራ በዚ ተመሲጣ ጽቡቕ ኣቀባብላ ብምግባር ካልእ ግዜ ክትመጻ ዓደመታ።
ይኹን እምበር እታ ምስክር ንኖራ ተመሊሳ ክትረኽባ ኣሸገራ። በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ናይታ መዓልትን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ናይታ ሰሙንን ዝገበረቶ ምምልላስ ኣይተዓወተትን። ሓደ ግዜ ግን በቲ ዝገበረቶ ቐጻሊ ጻዕሪ ተኻሒሳ ኢያ። ጽቡቕ ፍረ ኸኣ ክትዓጽድ ከኣለት። ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ። ኖራ ዝያዳ ጽንዓት ክግበረላ ግዲ ስለ ዝበለት ኸኣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ክትገበረላ ጀመረት። እቲ እትምሃሮ ዝነበረት ነገራት ንመሓዙታን ኣባላት ቤተሰባን ንኽትነግሮም ደረኻ: በዚ ኸኣ ሰለስተ ኻብኦም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ክገብሩ ሓተቱ።
በቲ ዘጽንዓቶ: ኖራ: ብዙሓት ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ናይ ሓሶት ነብያትን ከም ዘለዉ: እታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ግን ሓንቲ ጥራይ ምዃና ብምፍላጥ ከተመስግን ከኣለት። ንሕቶታታ መልሲ ንምርካብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ትደሊ ነበረት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጋንንቲ እንታይ ከም ዝብል ምስ ተማህረት ግና ልክዕ ከምቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:19 ተጠቒሶም ዘለዉ ጥንታውያን ሰብ ኤፌሶን ዝገበርዎ ገበረት። ነቲ ዝነበራ እንዳ መጻሕፍቲ ኣጽረየቶ። ቁሩብ ጸኒሓ ኸኣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኸውን: ብዛዕባ ጥንቆላን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትን ዝሓዘ መጻሕፍቲ ኣጥፍኣቶ። ገለ ካብቲ ዘጥፍኣቶ መጻሕፍቲ ሓንቲ ጥማር ናይ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ: ዋጋኣ ልዕሊ 800 ዶላር ዝኸውን ነበረ።
እቶም ኣጋንንቲ በቲ ኖራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ስለ ዘይተሐጐሱ: ንኽልተ ቕነ ዝኸውን ኣጨነቕዋ። ይኹን እምበር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምቕጻልን ምስ እዛ ዘመናዊት ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኸር ካብ ምርኻብን ከታርፍዋ ግን ኣይከኣሉን።
ከምዚ ዝበለ ተመኵሮታት: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት: “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ገና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ካባኻትኩም ኪሃደም እዩ” ዝብል ሓቅነቱ ዝገልጽ ኢዩ። — ያእቆብ 4:7