ምብዓል ዕለተ–ልደት መሪር ሳዕቤን ሞት ኣስዒቡ
ሎሚ ምብዓል ዕለተ –ልደት ዳርጋ ብኹሎም ሰባት ከም ቅኑዕ ባህሊ ኢዩ ተወሲዱ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነዚ ልምዲ እዚ ኣይድግፎን ኢዩ። ምኽንያቱ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ዕለተ–ልደት ዘብዓለ ከም ዘሎ ምልክት ኣይህብን ኢዩ።
እተን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሰን ዕለተ–ልደት ናይቶም ክልተ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ገዛእቲ ጥራይ ኢየን። እቶም ዕዱማት ብሞት ናይቶም ንንጉስ ዘጕሃዩ ምእንቲ ብሓጐስ ክዓግቡ ተባሂሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በዓል ቅትለት ተፈጸመ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣጋጣሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ቀተሎ። (ዘፍጥረት 40:2, 3, 20, 22) እቲ ግብጻዊ ገዛኢ ኣብ ግዜ ብዓል ከምዚ ዝገበረስ ኣብቲ ኣገልጋሊኡ ስለ ዝተቖጥዐ ኢዩ። ኣብቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ሄሮድስ እቲ ርኹስ ገዛኢ ናይ ገሊላ ነታ ኣብቲ ድግስ ብሳዕስዒታ ዘሐጐሰቶ ጓል ደስ ከብል ኢሉ ንርእሲ ዮሃንስ ኣሰየፎ። ከመይ ዝበለ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ! — ማቴዎስ 14:6–11
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዘን ክልተ ዕለተ–ልደት ኣትኲሩ ዘሎስ ኣዝየን ፍሉያት ስለ ዝኾና ድዩ? ብሓቂ ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ጥንታዊ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ዛንታ ጆሰፉስ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ፍሉይ ከም ዘይነበረ ሓቢሩ ኣሎ። ካልኦት ንመዘናግዒ ተባሂሎም ኣብ ዕለተ–ልደት ዝፍጸሙ ናይ ቅትለት ኣገባባት ከም ዝነበሩውን መዝጊቡ ኣሎ።
ንኣብነት: ገሊኡ ኣብቲ ብድሕሪ 1,000,000 ኣይሁዳውያን ዝተቐትልሉ 97, 000 ድማ ዝተማረኹሉን ብ70 ከኣዘ ዝተፈጸመ ዕንወት የሩሳሌም ተራእዩ ኢዩ። ናብ ሮሜ ክምለስ ከሎ ሮማዊ ጀነራል ቲቶስ ነቶም ኣይሁዳውያን ምሩኻት ናብታ ቀረባ ዝነበረት ወደብ ቂሳርያ ወሰዶም።
ጆሰፉስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ቲቶስ ኣብ ቂሳርያ ምስ ተቐመጠ ንዕለተ–ልደት ዶሚሽያን ሓዉ: ዕለተ ልደት 2, 500 እሱራት ኣብቲ ምስ ኣራዊትን ሓውን ዝግበር ጸወታ ኣእትዩ ብምቕታል ብዓቢ ክብሪ ኣብዓሎ። ብድሕርዚ ናብታ ኣብ ፎኒሽያ (ፊንቄ) ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝኾነት በሪቱስ [በይሩት] ከደ እሞ ኣዝዮም ብዙሓት ምርኮኛታት ብምቕታል ብኣዝዩ ሰፊሕ ምርኢት ናይ ኣቦኡ ዕለተ–ልደት ኣብዓለ።” — ዘ ጂዊሽ ዎር ሻብዓይ መጽሓፍ ገጽ 37 ብፖል መየር ጆሰፉስ: ዘ ኢሰንሽያል ራይቲንግስ ተባሂላ ዝተተርጐመት ዝተወስደ።
እታ ዘ ኢምፔርያል ባይብል ዲክሸነሪ ከምዚ ምባላ ኣየገርምን ኢዩ:- “እቶም ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ዝነብሩ እብራውያን ምብዓል ዕለተ–ልደት ከም ክፍሊ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ኣረኣእያኦም በቲ በዘን መዓልትታት እዚኤን ክዝውተር ዝርኣይዎ ኣበዓዕላ ኣጸቢቑ ተረጋጊጹ ኢዩ።”
ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያን ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይድግፎን ብዘስካሕክሕ መገዲ ብሮማውያን ዝብዓል ዝነበረን ባህሊ ክሕወስዎ ኢሎም ኣይብህጉን ኢዮም ነይሮም። ሎሚ እቶም ቅኑዓት ክርስትያናት እቲ ብዛዕባ ዕለተ–ልደት ዝህቦ ጸብጻብ ንትምህርቶም ከም ዝተጻሕፈ ይግንዘብዎ ኢዮም። (ሮሜ 15:4) ምብዓል ዕለተ–ልደት የወግድዎ ኢዮም: ምኽንያቱ ከምዚኦም ዝበሉ ዝኽርታት ንሓደ ሰብ ዘይግብኦ ልዕልና ስለ ዝህብዎ ኢዮም። ኣዝዩ ዘገድስ ድማ: ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰናይ ዘይኮነ ኣቀራርባ ዕለተ–ልደት ብጥንቃቐ ኢዮም ዘቕልብሉ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቂሳርያ ዝርከብ ዓውዲ ትያትር