ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 16 ገጽ 19
  • ሃናጽን ኣወንታውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃናጽን ኣወንታውን
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ሃናጽን ኣወንታውን
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 16 ገጽ 19

መጽናዕቲ 16

ሃናጽን ኣወንታውን

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እዮብ 16:5

ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣብ ጸገም ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍታሕ ኣተኵር፣ ከምኡ ድማ ንሰማዕቲ እምንቶ ኣብ ዜሕድረሎም ነገራት ኣተኵር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዀስኵስ። ክርስትያናት ብጾትካ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ኸም ዚደልዩ ጌርካ ሕሰብ። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ እውን እንተ ዀነ፡ ብእተኻእለ መጠን ፈለማ ኻብ ልቢ ንኣድ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ብፍቕሪ ደኣ እምበር፡ ብብስጭት ተደሪኽካ ኣይትዛረብ። ሰማዕትኻ ኸም እትርድኣሎም ኰይኑ ምእንቲ ኺስምዖምን ምእንቲ ኺኣምኑኻን፡ ኣብ ገጽካ ድሙቕ ፍሽኽታ ይነበብ።

  • ኣሉታዊ ነገራት ኣይተብዝሕ። ኣሉታዊ መዳይ ክትጠቅስ ከለኻ፡ ነቲ ጠቓሚ ዕላማ ዘለዎ ጥራይ ጥቐሶ። ሓፈሻዊ ኣቀራርባኻ ኣወንታዊ ኪኸውን ኣለዎ።

  • ንቓል ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ናብቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣቐዲሙ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ከም ዜተኵሩ ግበሮም። ንሰማዕትኻ ተስፋን ትብዓትን ኣስንቆም።

ኣብ ኣገልግሎት

ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መጻኢ ክርስትያን ብጻይካ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጌርካ ርኣዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ