ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 10
  • ኣምልኾ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምልኾ እንታይ እዩ፧
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናት ብምግልጋል ሓጐስ ይረኽቡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሓጐስካ የዕዝዞ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንየሱስ ምሰሎ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኣምልኮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 10
ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩ ስድራ ቤት።

ሳጹን ትምህርቲ 1ሀ

ኣምልኾ እንታይ እዩ፧

ኣምልኾ ኺብሃል ከሎ፡ “ንኣምላኽ ኣኽብሮትን ፍቕርን ምርኣይ” ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ኣምልኾ” ተባሂለን እተተርጐማ በዅሪ ቓላት፡ ሓደ ሰብ ንፍጡራት ዜርእዮ ብዙሕ ኣኽብሮት ወይ ተኣዛዝነት ኬመልክታ ይኽእላ እየን። (ማቴ. 28:9) ንኣምላኽ ወይ ንመለኮት ዚግበር ሃይማኖታዊ ተግባር እውን ዚገልጻ ኪዀና ይኽእላ እየን። (ዮሃ. 4:23, 24) ስለዚ፡ ትርጕመን ከከም ኣሰዃዅዓአን ኪፈላለ ይኽእል እዩ።

ነቲ ፈጣርን ልዑላዊ ገዛእን ዝዀነ የሆዋ ንበይኑ ኢና ውፉያት ክንከውን ዘሎና። (ራእ. 4:10, 11) ንልዑላውነቱን ንስሙን ብምኽባር ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። (መዝ. 86:9፣ ማቴ. 6:9, 10) እዘን ክልተ ፍረ ነገራት፡ ማለት ልዑላውነት የሆዋን ስም የሆዋን፡ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ጐሊሐን እየን ዚርከባ። ኣብ ህዝቅኤል ጥራይ እቲ “ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ” ዚብል መግለጺ 217 ሳዕ፡ እቲ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ” ዚብል ወይ ነዚ ዚመስል ረባሕታ ድማ 55 ሳዕ ይርከብ እዩ።—ህዝ. 2:4፣ 6:7።

ኣምልኾና ግና ኣብ ስምዒት ጥራይ ተሓጺሩ ዚተርፍ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተግባር ይግለጽ እዩ። (ያእ. 2:26) ህይወትና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ከም ልዑላዊ ገዛኢና መጠን ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኽንእዘዞን ንስሙ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከነርእን መብጽዓ ኣቲና ኢና። የሱስ ኣብቲ ነታ ሳልሰይቲ ፈተና ዝሃቦ መልሲ፡ ንኣምልኾ ምስ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ኣተሓሒዝዎ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 4:10፡ እ.ጽ.) ኣምለኽቱ ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ንደሊ ኢና።a (ዘዳ. 10:12) ምስ ኣምልኾና ብቐጥታ ኣብ ዚተሓሓዝን ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ ኣብ ዜድልየሉን ንጥፈታት ምስ እንሳተፍ፡ ንኣምላኽና ቅዱስ ኣገልግሎት ነቕርበሉ ኢና። እዚ ንጥፈታት እዚ ግና እንታይ የጠቓልል፧

ስእልታት፦ ቅዱስ ኣገልግሎት። 1. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ትህብ። 2. ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ የጽርዩ።

ቅዱስ ኣገልግሎት ብዙሕ መልክዕ ኣለዎ፣ የሆዋ ድማ ንዅሉ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ። ንኣብነት፡ ንሰባት ክንምስክር ከለና፡ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ክንሳተፍን ከለና፡ ንመአከቢ ቦታታትና ክንከናኸንን ክንሃንጽን ከለና፡ ቅዱስ ኣገልግሎት ኢና እነቕርብ ዘለና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምስታፍ፡ ንእተሸገሩ ኣሕዋትና ንምሕጋዝ ኣብ ዚግበር ዕዮ ረድኤት ምድጋፍ፡ ኣብ ኣኼባታት ዞባ ወለንተኛ ምዃን፡ ወይ ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል፡ ክፍሊ ቕዱስ ኣገልግሎት እዩ። (እብ. 13:16፣ ያእ. 1:27) ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ቀዳምነት እንተ ሂብናዮ፡ “መዓልትን ለይትን ቅዱስ ኣገልግሎት” ነቕርብ ኢና። ንየሆዋ ኣምላኽና ኸነምልኾ ኸለና ድማ ደስ ይብለና እዩ።—ራእ. 7:15፡ እ.ጽ.።

ናብ ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9 ተመለስ

a ሓንቲ ኻብተን ንኣምልኾ እትገልጽ ናይ እብራይስጢ ቓላት፡ ‘ምግልጋል’ ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። ስለዚ፡ ኣምልኾ ንኣገልግሎት እውን የጠቓልል እዩ።—ዘጸ. 3:12፡ እ.ጽ.።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ