ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 74
  • ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንየሆዋ ብዅሉ ልብኹም ኣፍቅርዎ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2019-2020—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር
  • ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ እተዉ!
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2023-2024—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 74

መዝሙር 74

ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(መዝሙር 98:1)

  1. 1. እዛ መዝሙር፡ ዓወት’ያ እተበስር፣

    ነቲ ልዑል እተዕብዮ መዝሙር።

    ቃላታ’ውን ብሩህ ተስፋ የሕድር፣

    ሃየ ንዑ ሓቢርና ንዘምር።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’

  2. 2. በዛ መዝሙር ነፋልጥ ንመንግስቲ፡

    ሰማያዊት፡ የሱስ ዝንጉሳ።

    መጋዝእቱ ምስኡ ተሓባቢሮም፡

    ኬርሕቑ’ዮም ሓጥያት ምስ ኣበሳ።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’

  3. 3. እዛ መዝሙር፡ ቀላል’ያ ንትሑታት፣

    ንጹር ቃላት፡ ተስፋ ዝሓዘለት።

    ለሚዶምዋስ የዚምዋ ብዙሓት፣

    ብተራኦም ንዑ ’ብሉ ንሰባት።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’

(መዝ. 95:6፣ 1 ጴጥ. 2:9, 10፣ ራእ. 12:10 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ