ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 98 ገጽ 228-ገጽ 229 ሕ.ጽ. 1
  • ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ጢሞቴዎስ—ሓድሽ ሓጋዚ ጳውሎስ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • በርናባስ “ወዲ ምጽንናዕ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 98 ገጽ 228-ገጽ 229 ሕ.ጽ. 1
ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን ንሰርግዮስ ጳውሎስ እቲ ሹም ቆጵሮስ ይሰብኩሉ

ትምህርቲ 98

ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ

ሃዋርያት ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ምድሪ ኺሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ ይፍጽሙ ነበሩ። ብ47 ድ.ክ.፡ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስን ንበርናባስን ናይ ስብከት ጕዕዞ ኺገብሩ ለኣኽዎም። እዞም ክልተ ብቕንኣት ዚሰብኩ ሰበኽቲ ኸኣ ኣብ ብዘሎ ንእሽቶ እስያ ዞሩ፣ ናብ ደርቤን ልስጥራን ኢቆንዩምን ከኣ ከዱ።

ጳውሎስን በርናባስን ንሃብታም ኰነ ንድኻ፡ ንንእሽቶ ዀነ ንዓብዪ፡ ኰታስ ንዅሉ ሰብ ይሰብኩ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ሓቂ ተቐበልዎ። ጳውሎስን በርናባስን ንሓደ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝስሙ ሹም ቆጵሮስ ምስ ሰበኹሉ፡ ሓደ ኣስማተኛ ዕንቅፋት ኪዀኖም ፈተነ። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ኣስማተኛ፡ ‘የሆዋ ኺጻረረካ እዩ’ በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ እቲ ኣስማተኛ ዓወረ። ሰርግዮስ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ምስ ረኣየ ኣመነ።

ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኵሉ ቦታ፡ እንተላይ ኣብ በቤትን ኣብ ዕዳጋን ኣብ መገድን ኣብ ምኵራባትን ይሰብኩ ነበሩ። ኣብ ልስጥራ ንሓደ ሓንካስ ምስ ኣሕወይዎ፡ እቶም ነቲ ተኣምር ዝረኣዩ ሰባት ንዓታቶም ከም ኣማልኽቲ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎም፡ ኬምልኽዎም ፈተኑ። ጳውሎስን በርናባስን ግና፡ ‘ንኣምላኽ ጥራይ ኣምልኹ! ንሕና ሰባት ኢና’ ኢሎም ከልከልዎም። ሽዑ፡ ገሊኦም ኣይሁድ መጺኦም ነቶም ህዝቢ ኣንጻር ጳውሎስ ከም ዚልዓሉ ገበርዎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም እውን ካብታ ኸተማ ወጻኢ ጐቲቶም ደርበይዎ። ጳውሎስ ግና ኣይሞተን ነይሩ። ሽዑሽዑ፡ ኣሕዋት ኪረድእዎ ኢሎም ናብኡ ኸዱ፣ ናብታ ኸተማ እውን ሒዞምዎ ተመልሱ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ።

ብ49 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ካልእ ጕዕዞ ገበረ። ነቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚነብሩ ኣሕዋት ከይዱ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ነቲ ብስራት ክሳብ ኤውሮጳ ኣብጽሖ። ናብ ኣቴናን ኤፌሶንን ፊልጲን ተሰሎንቄን ናብ ካልእ ቦታታትን ከኣ ከደ። ኣብቲ ጕዕዞ ድማ ሲላስን ሉቃስን ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይን ምስኡ ነበሩ። ብሓባር ኰይኖም ከኣ ጉባኤታት የቝሙን ኪድልድላ ይሕግዝወንን ነበሩ። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንኣሕዋት እናኣበርትዖም ዓመትን መንፈቕን ጸንሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሰበኸ፡ መሃረ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት እውን ደብዳበታት ጸሓፈ። ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ እውን ይዓዪ ነበረ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዕዳጋ ይሰብኽ

ብ52 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ካብ ንእሽቶ እስያ ሳልሳይ ጕዕዞ ጀመረ። ክሳብ ፊልጲ ድሕሪ ምኻድ፡ ናብ ቈረንቶስ ተጓዕዘ። ኣብ ኤፌሶን ከኣ እናመሃረን እናኣሕወየን ንጉባኤ እናሓገዘን እተወሰነ ዓመታት ጸንሐ። ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ እውን መዓልቲ መዓልቲ ህዝባዊ መደረ የቕርብ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ንትምህርቱ ሰሚዖም መገዶም ቀየሩ። ጳውሎስ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ነቲ ብስራት ድሕሪ ምስባኹ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ የሩሳሌም ከደ።

“ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴዎስ 28:19

ሕቶታት፦ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዘሎ ካርታ ጌርካ (ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ መመላእታ ጽሑፍ ለ13) ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞታት ስብከት ክትከታተሎዶ ትኽእል፧

ግብሪ ሃዋርያት 13:1–23:35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ